ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት “ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት” ኢሉ ብዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ መብዛሕትኦም ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራቦም ሓደ ኣማኻሪ ሕግን ጠበቓን ገሊፆም።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ስድራ ተጠርጠርቲ፡ መሳርሕቶምን ጠበቓታትን መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዮም ኢሉ ብጥርጣረ ዝሓዞም እሱራት ን22 ማዕልታት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ ብምግላፅ እዚ ዝለዓለ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ኢሎም።
ኮሚሽስን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካን እውን ብሽም ምኽባር ሕጊ ሰባት ንማእሰርቲ ይቃልዑ ኣለው ክብሉ ገሊፆም እዮም።
ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብዚ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ግን እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ “ፍሉይ ወፍሪ” ስለዝኾነ መስራሕ ፍርዲ ክናዋሕ ይኽእል እዩ ክብሉ መሊሶም።
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብሽም ፋኖ ኣብቲ ክልል ቅትለት፡ ስርቂ፡ ምጭዋይ ሰብን ካልኦት ገበናት ብምፍፃም ጠርጢረዮም ኣለኹ ዝበሎም ልዕሊ 4,500 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ምግላፁ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው።