ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋን ኲናትን ንደርቂ ሶማሊያ የጋድድ


Somalia Famine Deaths (File)
Somalia Famine Deaths (File)

ሶማሊያ ካልእ ሓደጋ ዓፀቦ ኣንፀላሊዩዋ ኣሎ ክብል ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰሉስ ኣጠንቂቑ። ተኸታታሊ ድርቂ ንተኽልታት ኣንቂፁ ንብርክት ዝበሉ እንስሳት ቀቲሉ። ብሰንኪ ኵናት ካብ ዩክሬይንን ሩሲያን ዝኣቲ እኽሊ ብምትራፉ እውን ነቲ ሓደጋ ዓፀቦ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኣሎ

ኣብ ሶማሊያ ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ኣዳም ዓብዱልመውላ ካብ ሞቓድሾ ንጋዜጠኛታት ብቪዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ሶማሌ ናብ ዓፀቦ ትምርሽ ኣላ ኢሉ ንሱ ከም ዝበሎ፡ “ሶማል ኣብ ቀልቀል ኣማእቲ ኣሽሓት ህይወት ከጥፍእ ዝኽእል ኣዕናዊ፡ ሰፊሕን ጃምላዊን ጥምየት እያ ትርከብ። ካብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ሶማሊያ ድርቂ እናገደደ መፂኡ ሎሚ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በፂሑ ሓደጋ ኣንፀላሊዩ ኣሎ፡” ኢሉ።

ማሕበረሰብ ዓለም ዓፀቦ ምእታው ብዕሊ ክሳብ ዝግለፅ እንተድኣ ተፀቢዩ ኣዚዩ ዝደንጎየ ክኸውን እዩ ኢሉ ኣዳም

ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር 7.1 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ቅልውላው ብርኪ ይርከብ። ካብ መንጉኦም 213,000 ኩነታት ዓፀቦ ገጢሙዎም ኣሎ ኢሉ

ሕቡራት መንግስታት ነዚ ዓመት ንሰብኣዊ ሓገዝ ሶማሊያ 1.5 ቢሊዮን ዶላር እንተሓተተ እውን ኣብ ፍርቂ ዓመት 18 ምእታዊ ፈንድ ጥራሕ እዩ ረኺቡ

XS
SM
MD
LG