ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወ/ጉ ኣመሪካ ንመስርሕ ሰብኣዊ ተባጽሕነት ኢትዮጵያ መጒሶም፣ ንዘላቒ ሰላም ድማ ይጽውዑ


U.S. Secretary of State Antony Blinken speaks during a reception celebrating Eid in Washington
U.S. Secretary of State Antony Blinken speaks during a reception celebrating Eid in Washington

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራን ትግራይን ንዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ተባጽሕነት መንግስቶም ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ኣብ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣመልኪቶም። ብሊንከን ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ልዕሊ 1,100 መካይን ሓገዝ፡ ብኹላቶም ወገናት ንዝተራእየ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፡ ነቶም ለገስቲ ኣካላት ዘለዎም ምስጋና’ውን ጠቒሶም።

ብሊንከን ኣብ ናይ ጽሑፍ መግለጺኦም፡ ኵላቶም ኣካላት ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ናብ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ኵሉ-ሓቆፍ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉን ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዝምርምር ዘይሻራዊ ኣካል ክቐውምን ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG