ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፍልስጤማውያን ነባሮ ምዕራባዊ ገማግም ሓለዋ ዝህብ ንድፊ ይፈሽል


Human Rights Israel Palestinians
Human Rights Israel Palestinians

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንዝሰፈሩ፡ ሕጋዊ ሓለዋ ንክግበረሎም ንዝገብር ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ እስራኤል ክሓልፍ ኣይከኣለን።

እቲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ዓብዪ ውድቀት፡ ነቲ ዝተገማመዐ መንግስቲ’ታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ምንቍልቋል ገጽ ከምረሖን ሓድሽ ምርጫ ንኽካየድን ከገድድ ከምዝኽእልን ይእመነሉ።

ኣብ ይዝረበሉ ስፍራ ምዕራባዊ ገማግም፡ ኣስታት 500,000 ኣይሁዳውያን ኣስታት 3 ሚልዮን ፍልስጤማዊያንን ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ እዮም ይርከቡ።

ምምሕዳር ቀ/ሚ ናፍታላይ ቤነት በዚ ዝተኾልፈ ንድፊ ኣብ ጠመተ ዘእቱ’ዩ። ናይ ትማሊ ተጓንፎ ግና፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ልፍንታዊ ምሕደራ ንዝተኸሰተ ድኽመትን ምግምማዕን ሓባራይ ስለዝኾነ፡ ስርዓት እስራኤል ክሳዕ መዓስ ክቕጽል ይኾን ዝብል ሕቶ ዘበገሰ ኮይኑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG