ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕ ናሽናል ፕረስ ክለብ (National Press Club)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ጃማላዊ ማእሰርቲን ምጕስቓልና ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። እቲ ትካል ብመገዲ ፕረዚደንቱ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ዓፋኒ ፖሊሲ ፕረስ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብታ ቅድሚ ውሑዳ ዓመታት ኣብ ናጻ ፕረስ ብዘርኣየቶ ስጕምታት ተስፋ ዝተነበራ ሃገር፡ ኣዝዩ ኣሕዛኒ ተራእዮ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ከም ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን 19 ጋዜጠኛታት ብዘይ ግቡእ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ። ናሽናል ፕረስ ክለብ ኣብ መግለጺኡ እቶም ኣብ ትሕቲ ዘይግቡእ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንእለቱን ብዘይ ቅድመ-ኩንነትን ክፍትሑ ጸዊዑ።
ኣብ 1908 ዝተመስረተ ናሽናል ፕረስ ክለብ፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ነቶም ቀንዲ መራኸቢታት እታ ሃገር ዝሓቍፍ ዝዓበየ ናጻ ክለብ’ዩ።