ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ 9 ሰባት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ 20 ቆሲሎም


ARero Borena Ethiopia
ARero Borena Ethiopia

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ቡርጂ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 9-ሰባት ከም ዝተቀትሉን ካልኦት 20 ሰባት ኸኣ ብከቢድን ብቀሊልን ከም ዝቖሰሉን ኣመሓዳሪ’ቲ ከባቢ ገሊፆም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዕዳጋ ቦታ ከምዝተፈፀመ ጉድኣት ወሪድና ዝበሉ ሰባት ንድምፂ ኣመሪካ ክገልፁ ከለዉ፣ ሓላፊ ቢሮ ፅጥታ ዞባ ምብራቅ ጉጂ ኣቶ ሞርከታ ብወገኖም እቶም ዝሞቱ 9- ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ጉድኣት ካብ መንጎ ዝወረዶም ኣንስትን ህፃናትን ከምዝርከብዎም ኣፍሊጦም’ለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ቀረባ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥን እዚ ናይ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ሸኔ ኣብ ልዕል ሓደ ተወላዲ ቡርጂ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ መበገሲ ‘ዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ምኻኑ’ውን ወሲኾም’ለዉ። ንፈፀምቲ’ቲ መጥቃዕቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ’ሎ ክብሉ ወሲኾም።

ኣመሓዳሪ ክልል ደቡብ ህዝብታት ኣቶ መሓሪ አለማየሁ ብወገኖም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ከይብሕጎግ ሽምግልና ተጀሚሩ’ሎ ኢሎም’ለዉ--ብመሰረት ፀብፃብ ዳዊት ገልሞ ካብ ኣዳማ።

XS
SM
MD
LG