ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሓገዝ ዝተረረ ቍጽጽር ክግበረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት


Demeke Mokennen (File)
Demeke Mokennen (File)

ምስቲ ዝለኣኽ ዘሎ ሓገዝ፡ ንመሳርሒ ውግእን ካልእን ዝውዕል ጥረ-ነገራት ይለኣኽ ኣሎ ብዝብል ምኽንያት፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ዝያዳ ፍተሻን ጽኑዕ ክትታልን ክግበረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ብቐዳም ኣብቲ መሳግሮ ክልል ዓፋር ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ንትግራይ ክኣቱ ዝሕተት ዘሎ ዝያዳ ነዳዲን ካልእ ክልኩል መሳርሒን ካብ ካልእ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ ክብል ተዛሪቡ። እቲ ተኸልኪሉ ከብቅዕ ናብ ትግራይ ይኣቱ ኣሎ ዝበሎ ጥረ-ነገራት ብስም ኣይጠቐሶን። ነቲ ተርእዮ ንምቍጽጻር ዝተረረ ፈተሻ ክስዕብ ምዃኑ ግን ኣቶ ደመቀ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት ናብ ክልል ትግራይ መጠናዊ ነዳዲ ክኣቱ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ዝለኣኽ ዘሎ ሓገዝ ግን ኣዝዩ ንኡስን ነቲ ዘሎ ጠለብ ዘየማልእን ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG