ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀሪያ፤ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብዝተፈመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ኣመንቲ ተቐቲሎም

A police crime scene tape is seen in front of St. Francis Catholic Church where gunmen attacked worshippers during a Sunday mass service in Owo
A police crime scene tape is seen in front of St. Francis Catholic Church where gunmen attacked worshippers during a Sunday mass service in Owo

ኣብ ናይጀርያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ንሰብ-መዚ ጥዕና ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦንዶ ንዝርከብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ቅዱስ ፍራንሲሲ ዒላማ ዝገበረ’ዩ።

ዕጡቓት ብዝኸፈቱዎ ተዅሲ ብረትን ነታጒን ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቦም ዜጋታት ግዳይ ምዃኖም እቲ ዜና ይውስኽ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሓያለ’ዉን ንህይወቶም ይቃለሱ’ለዉ ክብሉ ሰበ-ስልጣን’ቲ ቤተ ክርስትያን ገሊፆም’ለዉ። ነቶም ዝቖሰሉ ንምሕጋዝ ገለ ነበርቲ ደም ይልግሱ ኣለዉ።

ዛጊት ብዛዕባ ፈጸምቲ መጥቃዕቲን ጠንቂን ዝተፈልጠ የሎን።

XS
SM
MD
LG