ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርፓብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ እዋን ኣኼባ ሽጉጥ ይመዝዝ


Congress Guns (File)
Congress Guns (File)

ርፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፡ ነቲ ብዴሞክራሲያዊያን ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ ቍጽጽር ኣጽዋር ተቓዊሞውዎ። ኣብ መንጎ’ቲ ርሱን ክትዕ፡ ሓደ ርፓብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ ሽጉጡ ኣውጺኡ፡ “ነዚ ንምእጋድ’ድዩ ዝፍተን ዘሎ?” ኢሉ ሽጉጡ ከም ዝመዘዘ እቲ ዜና ይሕብር።

ኮሚቴ ፍትሒ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣኼብኡ ዘስለጠ፡ አብ ዩቫልደ ቴክሳስ 19 ህጻናት ድሕሪ ምቕታሎም እዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ ተደጋጋሚ ሓደጋታት መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ኣብ ኣመሪካ ከምዝተፈጸመ ዝዝከር እዩ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ብቪድዮ ኣቢሎም ርእይቶ ዝሃቡ ኣባል ኮንግረስ ግረግ ስትዩብ ‘ንነብሰይ፣ ንበዓልቲ ቤተይን ንቤተይን ክከላኸለሉ ዝዓጠቕኩዎ ሽጉጥ እስኪ ተመልከቱ’ ከምዝበሉ፣ ኣቦ መንበር’ታ ኮሚቴ ጀሮልድ ናድለር ብወገኖም ‘ንኣምላኽ ሓደራ ዝብሎ፣ ሽጉጥካ ጥይት ኣይጎረሰን ይኾን’ ዝብል እዩ’ ከምዝበሉዎም ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ስትዩብ ክምልሱ ከለው ‘ኣብ ቤተይ ስለዘለኹ፣ ንሽጉጠይ ከም ዝደለኹዎ ክገብሮ ይኽእል እየ’ ክብሉ መሊሶምሎም።

XS
SM
MD
LG