ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ምእታው ምቕጻሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

The World Food Program (WFP) convoy trucks carrying food items for the victims of Tigray war are seen parked after the checkpoints leading to Tigray Region were closed, in Mai Tsebri town, Ethiopia June 26, 2021

ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ 320 ናይ ጽዕነት መካይን፡ መግቢን ኣድላይ ነገራትን ሒዘን ብመስመር ሰመራ- ኣብዓላ- መቐለ ኣቢለን፡ ትግራይ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ`ሎ።

ምእታው ረድኤት ካብ ዝጅምር ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ናብ 68 ኣገደስቲ ወረዳታት ትግራይ ረድኤት ኣትዩ- ልዕሊ 500 ሺሕ ህዝቢ ረድኤት ከምዝተገብረሉ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ሕጽረት ነዳዲ ንስራሕና መሰናኽላት ኮይኑ ቀጺሉ`ሎ ክብል ይውስኽ ኣብ መግለጺኡ።

ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ መሻርኽትና ብምዃን ኣብቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ሓገዝ፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልየን ሓገዝ ዘድሎም ክንሕግዝ ክኢልና`ለና ይብል።

XS
SM
MD
LG