ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ 320 ናይ ጽዕነት መካይን፡ መግቢን ኣድላይ ነገራትን ሒዘን ብመስመር ሰመራ- ኣብዓላ- መቐለ ኣቢለን፡ ትግራይ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ`ሎ።
ምእታው ረድኤት ካብ ዝጅምር ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ናብ 68 ኣገደስቲ ወረዳታት ትግራይ ረድኤት ኣትዩ- ልዕሊ 500 ሺሕ ህዝቢ ረድኤት ከምዝተገብረሉ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ሕጽረት ነዳዲ ንስራሕና መሰናኽላት ኮይኑ ቀጺሉ`ሎ ክብል ይውስኽ ኣብ መግለጺኡ።
ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ መሻርኽትና ብምዃን ኣብቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ሓገዝ፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልየን ሓገዝ ዘድሎም ክንሕግዝ ክኢልና`ለና ይብል።