ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጫድ ንሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ተማዕዱ


Ethiopia Africa Food Production
Ethiopia Africa Food Production

ሎሚ ዓርቢ ‘ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ’ ዝተግበረት አፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገረ ቻድ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ልግሱ ንክዝርግሐላ መጸዋዕታ አቅሪባ።

እዚ ጻውዒት’ዚ ዝተቓለሐ፡ መራሕቲ ሕብረት አፍሪቃን ሩስያን፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ አብ ዩክረይን ምፍጻሙ ንዝተፈጠረ ኩነተ ቀረብ እኽሊ ንምዝርራብ ኣብ ዝተቀራረብሉ እዋን እዩ።

እቲ መንግስቲ ቻድ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ንህዝቢ ቻድ ንክሕግዙ’ መጸዋዕታ ነቕርብ ይብል።

ብመሰረት ሕ/ሃ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ሲሶ ህዝቢ ቻድ ማለት 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ፣ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ’።

ካብዚ ኣርእስቲ ከይረሓቕና፡ ሩስያን ዩክረይንን ንሰላሳ ሚእታዊ ቀረብ እኽሊ ናይ ዓለም ይሽፍና ነይረን።

ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ሎሚ ዓርቢ ምስ አቦ መንበር ሕብረት አፍሪቃን ፕረዚደንት ሴነጋልን ማክይ ሳል ክራኸቡ መደብ አለዎም።

ቻድ ናይ ዓለምና ሳልሳይ ዝደኸየት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ። ካብ 116 ሃገራት፡ ብጥምየት ካብ ዝሳቀያ ሃገራት አብ መበል 113 ተሰሪዓ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG