ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጃምላዊ ማእሰርቲ ክልል ኣምሓራ ኪዳን ይፈሊ


Ethiopia Mass Arrests
Ethiopia Mass Arrests

ካብ 23 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዝጀመረ መስርሕ፡ ልዕሊ 4500 ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ ምእሳሮም ወግዓዊ መዛግብቲ ይሕብሩ። ቅርበት ዘለዎም ኣካላት እቲ ቍጽሪ ካብኡ ይበዝሕ ይብሉ። ገለ ተወላዶ፡ መንግስቲ ንኽልል ኣምሓራ ከም እትቕጽል ዒላማ ገይሩዋ ክህሉ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ንሳቶም ብዝህቡዎ ምኽንያት ድማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ቅልውላው ትግራይ ንምጻእን መቐየሪ ኣርእስቲን ክጥቀመሉ ዝኽእል ሜላ ይብሉዎ።

ናይ ቀረባ ማእሰርታት ሓደ ኣብነት ናይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብሄራዊ ብዙሕነት ዘለዋ ዓባይ ሃገር፡ ስልጣኑ ንምርጋእ ይቃለስ ከም ዘሎ ምልክት’ዩ።

ንተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ደይ-መደይ ኢልካን ብውጥንን ምዃኑ ገለ ወገናት ይምጕቱ። ምኽትል ኣቦ-መንበር ተቓውሞ ሰልፊ ህብር ኢትዮጵያ፡ ይለቃል ጌትነት “መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝግበሮ ዘሎ ማእሰርቲ ስልጣን ካብ ቍጽጽሩ ይወጽእ ስለ ዘሎ ብመደብ ዝተገብረ ነብሰ-ምክልኻል’ዩ፡” ይብሎ።

ካብ መንግስቲ ናጻር ዝዀነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (Ethiopian Human Rights Council)፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ኣበይ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ከም ዘይፈልጥ ኣመልኪቱ ነይሩ። ብኣገላልጻ እቲ ኮሚሽን፡ ሓያሎ ካብኣቶም “ተጨውዮም’ዮም።”

ምስ መንግስቲ ምትኣስሳር ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ ብዘይሕጊ 19 ጋዜጠኛታት ማእሳሮም “ዝተሓተ ለጠቕታ” ክብል ጸዊዑዎ።

ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ፡ ፈደራላዊ ፖሊስ 111 “ዘይሕጋውያን” ኢሉ ዝሰየመን መርባባት ሓበሬታ ከም ዘለላየ መግለጺ ኣውጺኡ። ከም መግለጺ ፖሊስ፡ እተን ማእከላት ሓበሬታ “ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝቢን ፍልልይ ንግፋሕ ዝሰርሓ’የን።” ካብተን ብፖሊስ ዝተጠቕሳ 111 መርበባት ኣሰናዳእቲ ናይተን 10 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለዉ’ውን እቲ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።

ፈደራላዊ መንግስቲን ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራን ግን ኣብ መስመሮም ብምቛም፡ እቲ ማእሰርቲ፡ ክቕጽል ምዃኑ ይሕብሩ።

ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ጎንጺ ንምልዓል፡ መንግስቲ ከም ድኹም ጌርካ ምኽራብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ፡” ኢሉ ነይሩ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ “እቲ ንመንግስቲ ከም ድኹም ጌርካ ናይ ምርኣይ ፈተነ ፈሺሉ’ዩ፡ ኣብዚ ቦታ ድማ ዘይሕጋውነትን ኣብያን ቦታ የብሎምን፡” ኢሉ።

መንግስታዊ ኣካል ኮሚሽን መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ሰላሙን ርግኣቱን ይዛረግ ከም ዘሎ ምስ ኣመልከተን ስጕምቲ ክውሰደሉ ምስ ሓበረን እቲ ዝተገብረ ናይ ምእሳር መስርሕ ከም ዝሰዓበ ኣፍሊጡ።

እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ግን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ኣይኰነን። ኣውያቶም ግን ልዕሊ ካልኦት ክስማዕ ክኢሉ’ዩ። ካብ መንጎ’ቶም እሱራት ኣባላት እቲ ምስ መንግስቲ ወጊኑ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝዋጋእ ዝነበረ ሚሊሻ ፋኖ’ዮም።

እቶም ኣባላት ሚሊሻ ብወግዓዊ መራኸቢታት ብስራሖም መጎስ ረኺቦም ነይሮም። ካልኦት ኣካላት ግን ዝኸፍአ ቅትለትን ምክልባትን ከም ዝፈጸሙ ይኸሱ።

ብኣገላልጻ ኣብ International Crisis Group ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝሰርሕ ዊልያም ደቪድሰን፡ ሚሊሻ ፋኖ በቲ ናይ ትግራይ ኲናት ከም ዝሓየሉ ክሕብር እንከሎ፡ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ድማ ንጽልዋኦም ንምግታእ ምዃኑ ይኣምን። ብኣረኣእያ ደቪድሰን፡ እቲ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ መንግስቲ ነቲ ዛንታ ከማእዝኖን ንሱ ብዝደለዮ ከኺዶን ስለ ዝደለየ’ዩ።

ሰለስተ ዓበይቲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ማእሰርቲ ደው ከብሎ ጸዊዐን ኣለዋ።

እተን ሰለስተ ሰልፍታት ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ “መንግስቲ ዝገበሮ ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ንሞራል ምስባርን ንዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ወገን ምዕፋንን’ዩ” ክብላ ገሊጸንኦ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ተወላዶ ኣምሓራ’ውን ብተመሳሳሊ ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዝበሎም ሰባት ንኣሶሽትድ ፕረስ ኣካፊሉ ነይሩ።

ከም ኣበሃህላ ኣባል ሰልፊ ህብር ዝዀነ ይለቃል፡ ስግኣት መንግስቲ ካብ ምሁራንን መራሕቲን ኣምሓራ’ዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝመርሑ ግዳይ ማእሰርቲ ምዃኖም ይሕብር። ጠበቓኡ ከም ዝተኣስረ ዘመልከተ ይለቃል ንባዕሉ’ውን ድሕነት ከም ዘይስምዖ ንኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG