ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጽረት ጸባ መግቢ ህጻናት ንምቅላል ጻዕርታት ይግበር


FILE PHOTO: U.S. President Joe Biden holds a meeting with baby formula manufacturers in Washington
FILE PHOTO: U.S. President Joe Biden holds a meeting with baby formula manufacturers in Washington

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሕጽረት መግቢ ቆልዑን ስድራቤታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ሻቕሎትን ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ምስ ኣፍረይቲ ፎርሙላ ተራኺቡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ምምሕዳሩ ድማ ነቲ ጸገም ብምቅላል ካብ ወጻኢ ቀረባት መግቢ ቆልዑ ከእቱ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

ባይደን ምስ መራሕቲ ፋብሪካታት ባይሃርት፡ ባብስ ኣውስትራልያ፡ ረኪት፡ ፐሪጎ ከምኡ`ውን ገርበር ኣብ ዝተራኸበሉ፤ ስድራቤታት ንቆልዑቶም ዘድልዮም ነገር ካብ ምስኣን ንላዕሊ ዘጨንቕ ነገር የለን። ነዚ`የ ድማ ምምሕዳረይ፡ ቀረባት ንምዕባይ ኩሉ ዘድሊ ኣማራጽታት ክጥቀም መምርሒ ሂበ ዘለኹ። ተኸዚኑ ዘሎ ክወጽእ፡ ተዓጽየን ዘለዋ ፋብሪካታት መግቢ ቆልዑ ቀልጢፈን ክኽፈታ፡ ስድራቤታት ዝኸፍልኦ ዘለዋ ዋጋ ድማ ክንኪ ዝብል መምርሒ`የ ኣሕሊፈ ዘለኹ፡" ኢሉ ባይደን።

ብዙሓት ዓለማዊ ኣቕረብቲ መግቢ ህጻናት፡ ፍቓድ ኣመሪካ `የን ዝጽበያ ዘለዋ- ኣገዳሲ ዝኾነ መግቢ ሕጻናት ናብ ኣመሪካ ንኸእትዋ። ካብ ብሪጣንያ ክልተ ሚልየን ታኒካታት ፎርሙላ ዝተላእከ ክኸውን ከሎ ፋብሪካታት ኣውስትራልያ`ውን ተወሳኺ ቀረባት ክሰዳ ይቀራረባ`ለዋ ተባሂሉ`ሎ።

ኣባላት ባይቶ ንምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ይነቕፍዎ`ለዉ- ኣብ ሚሺጋን ዝርከብ ትካል ኣቦት ተዓጽዩ ኣብ ኣመሪካ ሕጽረት ፎርሙላ ክሳብ ዘጋጥም ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይወሰደን ብዝብል።

XS
SM
MD
LG