ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሊ፤ ዕጡቓት ንቃፍላይ ሕ/ሃገራት ዒላማ ይገብሩ


Mali Attack (File)
Mali Attack (File)

ኣብ ሰሜናዊ ማሊ፡ ኣሸበርቲ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ሓደ ዮርዳኖሳዊ ዓቃቢ ሰላም ክቕተል ከሎ ሰለስተ ካልኦት ምቝሳሎም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣጥቃዕቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኣክል ብንኣሽቱ ብረትን ኣርፒጂን ተጠቒሞም`ዮም ነተን መካይን ኣጥቂዖመን። ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒ ጉተረዝ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒንዎ`ሎ።

ብመሰረት ኣብ ማሊ ዝርከብ ተልእኾ ዓቃቢ-ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከምኡ ዓይነት መጥቃዕቲ ከጋጥም ን5ይ ግዚኡ`ዩ። ማሊ ካብ ተልእኾታት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት እታ ዝኸፈአት ሓደገኛ ተባሂላ`ላ።

XS
SM
MD
LG