ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰመራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ይጽውዑ


FILE PHOTO: to match GLOBAL-FOOD/CRISIS
FILE PHOTO: to match GLOBAL-FOOD/CRISIS

ምስ ምውላዕ ኲናት፡ ካብ ኣብዓላ፡ ብኣልማማ ተገፊፍና ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ጥቓ ከተማ ሰመራ ተኣሲርና ንርከብ ኣለና ዝበሉ ተወላዶ ክልል ትግራይ፡ ብዘይ ዝዀነ ገበን ከም ዝተኣስሩ ብምእማን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣቓልቦ ክህቦም ንድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም። ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ካብኣቶም፡ ቍጽሮም ኣስታት 12-ሽሕ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ብዘይ እኹል መግቢን ማይን ንጥሜትን ስቓይን ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ እቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም እሱራት ድሮውን 76 ካብቶም እሱራት ክሞቱ እንከለዉ፡ ምስ ምብርታዕ ሃሩር ንኸም ዓበቕን ካልእ ተመሓላለፍቲ ሕማምትን ተቓሊዖም ምህላዎምውን ኣመልኪቶም።

ካብ ኮሚተ ዓለምለኸ ቀይሕ-መስቀል ክልተ ግዜን ዘይእኹልን ሓገዝ ከም ዝተቐበሉ ዘመልከቱ እሱራት፡ ኬር ኢትዮጵያ ዝተባህለ ትካልውን መጠናዊ መሰረታዊ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም ኣመልኪቶም። ካብ ዝምልከቶም ናይ ክልል ይዅን ፈደራል መንግስታት ግን ዛጊት ከም ዘይተበጽሑ እቶም እሱራት ሓቢሮም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝምልከቶም ናይ ክልልን ፈደራልን ወገናት: ከምኡውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።

XS
SM
MD
LG