ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ተልዕል፣ እሱራት ትፈትሕ


Sudan
Sudan

ወታደራዊ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ንሕጊ ህፁፅ እዋን ድሕሪ ምልዓሎም ንተቓውምቲ ሰልፈኛታት ይፈትሑ ኣለው።

እቶም ወታደራዊ ሰበስልጣን ኣብ ጥቅምቲ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ዝተኻየደ ዘንበሩዎ ኣዋጅ ህጹፅ ግዜ ምልዓሉ ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብዓሰርተታት ንዝቑፀሩ እሱራት ፖለቲካ ፈቲሖም ኣለው።

The Emergency Lawyers' Committee ብዝብል ዝፅዋዕ ንመሰላት ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ምስ ምቅንስቓስ ፀረ መፈንቅለ መንግስቲ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ፖርት ሱዳን 24 ኣብ ከባቢ ካርቱም ድማ 39 ፖለቲካዊ ለውጢ ክመፅእ ዝንቀሳቐሱ ሓዊሱ ተፈቲሖም ኣለው። ወታደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃኒ ኣብታ ሃገር ልዝብ ከተባብዕ እዩ ኢሎም ብምግላፅ እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ምልዓሉ ሰንበት ኣዊጆም።

ብዙሓት ተሓለቕቲ ሱዳን ግን እቲ ስጉምቲ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዘምፅእ እንተኾይኑ ጥርጣረ ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG