መንግስቲ ኢቲዮጵያ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሕ ‘’ኣርቲክል 19’’ ዝተብሃለ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ "ምድሃል መራኸቢ ብዙሃን" ክብል ዝፀውዖ ተግባር ጠጠው ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያን ማሕበር ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያን እውን ምእሳር ሰብ ሙያ ሚዲያ ምስ ናይ መዲያ ሕጊ ዝፃባእ እዩ ክብሉ ነቒፎም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፖሊስ ፌደራል ሎሚ ኣብ ፈይስቡክ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዋላ ሓደ ፍቓድ ብሮድካስቲንግ ከይሓዙ "ናይቲ ህዝቢ ሰላምን ድሕነትን ዘዛብዑ ኣብ መንጎ ብሄርን ሃይማኖትን ግጭት ዘለዓዕሉ ሓበሬታ ዝፍንውን ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ መንግስትን ህዝብን ዝፈላልዩ 111 ዘይሕጋዊ መራኸቢ ብዙሃን መርበብ ሓበሬታ ምህልዎም ኣረጋጊፀ ኣለኹ፡" ኢሉ።
ካብዚኦም ውሽጢ ኣዚዮም ካብ መስመር ዝወፁ 10 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።
ካብ መንግስቲ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። "ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ እዩ" ክብል መንግስቲ ኣብ ቀረባ ሓቢሩ ነይሩ ይብል ፀብፃብ ኬኔዲ ኣባተ ካብ ኣዲስ ኣበባ።