ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦባሳንጆ መቐለ በጺሖም፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰይሙ


Tigray-Ethiopia map English
Tigray-Ethiopia map English

ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሊሰገን ኣባሳንጆ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከተማ መቐለ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርዝር ዝተዘራረቡሉ ከይገለፁ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ተዘራሪቦም ክብሉ ኣብ ትዊተር ገሊፆም ኣለው። ብዛዕባ ዑደት ኦባሳንጆ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ዛጊት የለን። ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ክነቕርብ ኢና።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ሸይሞም። ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚንስቴ ወፃኢ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ንፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ክትክእዎም እዮም።

"ሽመት ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታትን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፡ ሓባራዊ ፀጥታን ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘበልፅግን ኣሳታፊን ፖለቲካዊ መስርሕ ክፍጠር ዘለና ድልውነታ ዘረጋግፅ'ዩ" ይብል መግለፂ ብሊንከን።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ምቁራፅ ተፃብኦታት፡ ዘይተደረት ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈፀሙ መግሃስትታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብግልፂ ክምርመሩን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ መፍትሒ ግጭትን ክረጋገፅን ብትኹረት ምስርሑ ክቕፅል እዩ ይብል እቲ መግለፂ።

XS
SM
MD
LG