ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስእነት ኣቓልቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍሪቃ ምስ ኲናት ዩክሬን ይጋፋሕ


Norwegian Refugee Council
Norwegian Refugee Council

ዘይመንግስታዊ ትካል ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (Norwegian Refugee Council) ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ዳህሳስ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍሪቃ እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ ንዝያዳ ሞት፡ ምጕስቓልን ዓጸቦን ማዕጾ ዝኸፍት’ዩ ኢሉ። ምስ ኲናት ዩክሬን ጉዳይ ኣፍሪቃ እናተረስዐ ብምምጻኡ ነቲ ዘሎ ሽግር መሊሱ የጋድዶ ምህላዉ’ውን ሓላፊ እቲ ትካል ጀን ኢገላንዳ ጠቒሱ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ እተን ምስ ምግፋሕ ተጻብኦታት ኣቓልቦ ዝሰኣና ቀዳሞት 10 ቅልውላዋት ብመስርዕ፤ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ በርኪናፋሶ፡ ካሜሮን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ሱዳን፡ ናይጀሪያ፡ ብሩንዲን ኢትዮጵያን’የን።

ኣብቲ መስርዕ ዝኸፍአ ዝተረስዐ ሰብኣዊ ቅልዋልው ተባሂለ ተዘርዚራ ዘላ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ዝሓለፈ ዓመት 27 ሚልዮን ካብ ህዝባ ንሳልሳይ ዓመቱ ብሕጽረት መግቢ ይሳቐ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ብዘይካ’ዚ ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ 5.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ካብ መንበሪታቱ ክመዛበል እንከሎ፡ ተወሰኺ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ንስደት የምርሕ ኣሎ።

እቲ ዘይመንግስታዊ ኖርወጃዊ ትካል ከም ዝጠቐሶ፡ ኲናት ዩክሬን ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለምን ለገስቲን ስለ ዝለወጦ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበሮ ሓገዝ ይርከብ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዝጸንሐ ቅልዋልው መሊሱ ከም ዘጋደዶ ኣመልኪቱ።

ኣብተን ዝተጠቕሳ 10 ዝኸፍኣ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብዘይካቲ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት፡ ደርቂን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታትን’ውን ከም ዘግድዶ እቲ ትካል ይጠቅስ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብተን ሃገራት ብሰንኪ ዘሎ ዕፋነ ሓበሬታን ናጻ ፕረስን፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልዋልው ማዕረ’ቲ ዝግበኦ ኣቓልቦ ክረክብ ከም ዘይከኣለ እቲ ዜና ይውስኽ።

XS
SM
MD
LG