ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ምኽሪ ካብ ቀደመይቲ ሚኒስተር ኒው-ዝላንድ ይሓቱ


U.S. President Biden meets with Prime Minister Ardern in Washington
U.S. President Biden meets with Prime Minister Ardern in Washington

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሰሉስ ምስ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ዝገብራ ዘለዋ ቀደመይቲ ሚንሲተር ኒው-ዝላንዳ ጃሲንዳ ኣርደርን ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ድሕሪ ኣልማማ ቅትለት ዩቫልደ ቴክሳስ፡ ኣተኣላልያ ምኽሪ እተን ቀደመይቲ ሚንሲተር ሓቲቶም።

ፕረዚደንት ባይደን ንምቍጽጻር ብረት ዘለዎም ማሕንቖ እኳ እንተ ዘይዘንግዑ፡ ነቲ ኣብ 2019 ኣብ ኒው-ዝላንዳ ህይወት 51 ኣመንቲ ምስልምና ዝወሰደ ጃምላዊ መቕተልቲ ብምዝካር’ዮም ክወስዱዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ተኽእሎ ተወኪሶም።

መሪሕነትኪ ኣብ ዓለማዊ ቅልዋላዋት ዝተጻወቶ ተራ እፈልጥ’የ። ንክሊማዊ ዋዒ ንምምካት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ብመርበባት ኢንተርነት ዝግበር ድርኺት ኣኽራርነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክራይስትቸርች (Christchurch) ዝተራእየ ጃማልዊ ቅንጸላ ዝወስድክዮ ኣብነታዊ መሪሕነት እፈልጥ’የ። ብዛዕባ’ዚኣቶም ድማ ምሳኺ ብቐረባ ክዛረብ እሓትት፡” ኢሎም ፕረዚደንት ባይደን።

ንግዳያት ጃምላዊ ቅንጸላ ዩቫልደ ቴክሳስ ሓዘንን ዝገለጻ ኣርደርን፡ ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ቅልዋላው መሪሕነተን ዝወሰዶ ተበግሶ ካብ ዘቤታዊ ክውንነት ዝነቅል ምዃን ድሕሪ ምሕባር፡ ዝከኣለን ምኽሪ ክልግሳ ግን ቅርብቲ ምዃነን ኣመልኪተን።

ድሕሪ ናይ ክራይስትቸርች ጃምላዊ ቅዝፈት፡ ኒው-ዝላንድ፡ ወተሃደራዊ ብረት ከልኪላ ካልእ ምቍጽጻር’ውን ኣተኣታትያ’ያ።

ድሕሪ ርክብ እቶም ክልተ መራሕቲ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃባ ቀደመይቲ ሚኒስተር ኣርደርን፡ እናተጋፍሐ ዝመጽእ ዘሎ በበይኑ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ግጭታትን፡ ዓለማዊ ስግኣት ብምዃኑ፡ ምስ ዝምልከቶም መንግስታትን ኣካላትን ሓቢረን ክሰርሓ ዘለወን ድሉነት ኣርእየን።

ንግዳያት መቕዘፍቲ ቴክሳስ ብኣካል ሓዘኖም ንምግላጽ ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘሎ መሰል ብረት ምውናን ቀሊል ብድሆ ከም ዘይህሉዎም ሓያሎ ይሰማምዑ።

XS
SM
MD
LG