ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻንጋይ ንኽልከላታት ኮቪድ ተዝልቕ


ASI-GEN CORONAVIRUS-CHINA-SHANGHÁI
ASI-GEN CORONAVIRUS-CHINA-SHANGHÁI

ሰበ-ስልጣን ዝዓበየትን ማእከል ንግድን ከተማ ሻንጋይ ቻይና ድሕሪ ንቝጠባ እታ ሃገር ዝሃሰየን ሚሊዮናት ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይወፁን ዝኸልከለ ዕፅዋ ክልተ ኣዋርሕ እታ ከተማ ካብ ፅባሕ ረቡዕ ጀሚሩ "ናብቲ ዝነበረትሉ ሓፈሻዊ" ብርኪ ክትምለስ እያ ኢሎም።

ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሻንጋይ ዞንግ ሚንግ ሎሚ ሰሉስ ‘’እቲ ለበዳ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ’’ ኢለን። ካብ ፅባሕ ረቡዕ ጀሚሩ እታ ከተማ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ማለት እውን ኣፍራያይነትን ስርዓተ መነባብሮን እታ ከተማ ናብቲ ንቡር ክምለስ እዩ ኢለን።

ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ምስ ዝተረፈ ክፋላት ቻይና ንቡር ስራሐን ክጅምራ እየን። ዓበይቲ መደብራት ዕዳጋ፡ መሸጢ ኣቝሑትን እንዳ መድሓኒትን ሓዊሱ ካብ 70 ምእታዊ ብዘይበዝሕ ዓቕምታቶም ክሰርሑ እዮም። ኣብያተ ሲነማን መስርሒ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ጂምን ግን ኣይኽፈቱን ኢሉ ኣሎ መንግስቲ።

XS
SM
MD
LG