ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ጸዓት የንብር


Belgium EU Russia Ukraine War
Belgium EU Russia Ukraine War

መራሕቲ ሕብረት ዩክረይን ኢሎ ምክረይን ንምሕጋዝ ኣብ ዘተኮረ ኣኼባ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ንምግባር ብሃንጋሪ ነዊሕ ደኣ ተገቲኡ ይጽናሕ እምበር፡ ኣማስያኦምስ ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሖም።

ትማሊ ሰኑይ ዝተገብረ ስምምዕ ቍሩብ ዝሕል ዝበለ ማዕቀብ ነቲ ብባሕሪ ዝመጽእ ጥራይ ዝሽፍን ክኸውን ከሎ ነቲ ብሻምብቆ ዝኣቱ ነዳዲ ዘይቲ ንግዚኡ ክኣቱ ተሰማሚዖም'ለዉ።

ፕረዚደንት ኮሞሽን ኤውሮጳ ቫን ደርለይን ብዛዕባ'ዚ ዝተገብረ ስምምዖ ክትገልጾ እንከላ፡ "ምስጋና ይኹኖ ነዚ ሕጂ እቲ ቤት ምኽሪ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ 90% ካብ ሩስያ ዝኣቱ ነዳዲ ዘይቲ ክሳብ መወዳእታ'ዚ ዓመት ክእግዶ ይኽእል'ዩ። እዚ ናብቲ ዝተረፈ 10% ገጽና ንምኻድ ኣገዳሲ ስጉምቲ ዩ፡ ገጽና ናብቲ ዝተረፈ ብሽምብቆ ዝኣቱ 10% ክንመልስ ኢና፡" ኢለን።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ቻርለስ ሚካኤል ብወገኖም፡ "እዚ ዘደንቕ ዓወት'ዩ። ንቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ከመስግን እደሊ፡ ንኹሎም ኣብዚ ኣኼባ ዝተኻፈሉ ከመስግን እደሊ። ምኽንያቱ ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ ፖሎቲካዊ መሪሕነት የድልየና'ዩ፡" ኢሎም።

እዚ ሓድሽ ማዕቀባት ናይ ኵላተን27 ኣባል ሃገራት ደገፍ የድልዮ። ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ ክጸድቕ ከኣ ትጽቢት ይግበሮ።

​ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሩስያ ኣስታት 40% ተፈጥሮ ጋዝን 25% ነዳዲ ዘይቲን የእቱ።​

XS
SM
MD
LG