ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካዪዱ”--ሮይተርስ


Ethiopia Tigray Crisis Hospital Shortages (File)
Ethiopia Tigray Crisis Hospital Shortages (File)

ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብውሑዱ 23 ቦምባ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደን ሰላማውያን ሰባት ምጕድኡን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። እዚ ደብዳብ ኣብቲ መጠናዊ ርግኣት ዝጸንሖ ኣከባቢ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናይ ፈለማ ተዅሲ ምዃኑ’ዩ።

ሮይተርስ ከም ዘመልከቶ፡ በቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ክትቅተል እንከላ፡ 18 ሰባት ቆሲሎም፡ 12 ገዛውቲ ድማ መጕዳእቲ ወሪዱዎ።

ብኤርትራ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም ዘመልከተ ወሃብ-ቃል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊቶም ከም ኣካል ግብረ-መልሲ እቲ ዝመጾም መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣዘዝቲን ልዕሊ 300 ወታሃደራት ኤርትራን ምቕታሎምን ምቝሳሎምን ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነቲ ወሪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲን መጕዳእቲ ዜጋታትን ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ጠቒሱ።

ሮይተርስ ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወሃብ-ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያን መንግስቲ ኢትዮጵያን’ውን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ንምስማዕ ከም ዘይተዓዋተ’ውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብ17 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ ሓተታ፡ ህወሓት ንኤርትራ ንምጥቃዕ ምድላዋት ይገብር ምህላዉ ከሲሱ ነይሩ። ነዚ ድሕሪ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ግን ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ፈተነ ኰይኑ፡ ከከም እዋኑ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ’ዩ።

XS
SM
MD
LG