ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እሱራት ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ንቤት ፍርዲ ይቐርቡ


Ethiopia Upper House
Ethiopia Upper House

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝወዓሉ ዝተፈላለዩ መራኸቢታት ሚድያታት ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ፡ ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንዝመጽእ ሰሙን ተለዋጢ ቆጸራ ዝተዋህቦ ክኸውን ከሎ፡ መኣዛ መሓመድን በቃሉ ኣላምረውን ዝተባህሉ ኣሰናዳእቲ ዩቱብ`ውን ሎሚ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም።

እዚ ከምዚ እንከሎ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ስራሕ ክትወጽእ ከላ ብፖሊስ ተታሒዛ ዝጸንሐት ጋዜጠኛ ተለቪዥን ክፍሊ ኦሮምኛ ሰንበቱ ኣሕመድ ሎሚ ከም ዝተፈትሐት ዳይረክተር`ቲ መደበር ቴለቪዥን ኣፍሊጡ።

ንኩነታት ማእሰርቲ ክከታትሎ ዝጸንሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ሰብ-ሞያ ሚድያ ምእሳር ንሕጊ- ሚድያ ዝጻረር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክፍትሑ ጸዊዑ`ዩ--ከም ጸብጻብ ኬነዲ ኣባተ።

መንግስቲ ብወገኑ፡ እቲ ምእሳር ሰብ-ሞያ ሚድያ፡ ሕጊ ኣካል ምኽባር ስጉምቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ዜና መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲንካ ብዝብል ክሲ ኣብ ባህር-ዳር ተኣሲሩ ዝርከብ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኔሩ። ፖሊስ ተወሳኺ ንኽገብር 10 መዓልታት ተፈቒዱ`ሎ- ብመሰረት ጸብጻብ ኣስቴር ምስጋናው።

XS
SM
MD
LG