ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንግዳያት መጥቃዕቲ ቴክሳስ ብኣካል ሓዘኖም ገሊፆም


APTOPIX Biden Texas School Shooting
APTOPIX Biden Texas School Shooting

ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደንን ዝሓለፈ ሰሙን 19 ቆልዑን ክልተ መምህራንን ዝተቐትልሉ ኣብ ቫልደ ቴክሳስ ትማሊ ሰንበት ብምብፃሕ ምስ ስድራ መወትቲን ቀዳሞት ረዳእትን ተራኺቦም። ናይታ ሃገር መራሕቲ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቓዕትታት ጠጠው ንምባል መንገድታት ከናዲዩ ነበርቲ ሓቲቶም ይብል ፀብፃብ ማይክ ሱሊቫን

ፕረዚደንት ባይደንን ብዓልቲ ቤቶምን ካብ ቀፅሪ ወፃኢ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ሮብ ኣብ ዝተዳለወ መዘከርታ ቦታ ጉንጉን ዕምባባ ብምቕማጥ ልዕሊ 1,000 ጠያይቲን ብረትን ተዓጢቑ ንቶም ሃሮ ዝሓዘሉን ዝተሓብአሉን መምሃሪ ክፍሊ ተዓዚቦ

ስዒቡ ባይደን ነበርቲ እቲ ከባቢ ህዝባዊ ፀሎተ ፍትሓት ኣብ ዝተሳተፉሉ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን በፂሖም

ኣብዛ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ብዝብሃል ደረጃ ዝተተንከፉላ ከተማ ቴክሳስ ሰባት ንሓድሕዶም ከፀናንዑ ይርኣዩ። ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ብዙሓት ነበርቲ እቶም ፕረዚደንትን ኮንግረስን ክፍፅሙዎ ኣለዎም ዝብሉዎ ተግባራት ተዛሪቦም ኣለውምሉእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ጆርጅ ዝተብሃለ ነባራይ ገለ ናይ ብረት ቁፅፅር ተዝግበር ይብል ፕሮግራም ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ግን ክወሃብ ኣለዎ ዝበለ ንሱ ንርእሱ ወናኒ ብረት ምዃኑ ብምሕባር ‘’ኣፍካ መሊእኻ ምዝራብ ከቢድ እዩ’’ ይብል

ገለ ተወሰኽቲ እገዳታት ምግባር እዋኑ ዝኣኸለ ይመልስለኒ ይብል ብምውሳኽ ጆርጅ

ካልኢ ወናኒ ብረትን ነባራይ ዩቫልደን ዝኾነ ፖል ካስቲሎ ድማ ነገራት ክልወጡ ከምዘለዎ ይሰማማዕኣብ ቤት ትምህርቲ ድሕነትካ ውሑስ ኣይኮነን፡” በለ ፖልብዓልቲ ቤተይ መምህር ካልኣይ ቤት ትምህርቲ እያ። ብኣኣ ኣዚየ እየ ዝሓዝንእንታይ ከም ዝፍጠር ኣይትፈልጥን። ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብዚ እንተድኣ ተፈፂሙ ኣብ ልእ ክፍፀም ይኽእል እዩ፡” ይብል

ቤተ ክርስቲያን ምኻድ ተዘውትር ከልዮ ሀርናንደዝ ሃይማኖታዊ እምነታ ፅንዓት ከምዝህባ ብምግላፅ ካብ መንግስቲ ስጕምቲ ትፅቢት ትገብር “ኵሎ ወከልትና ንህዝቢቆልዑቶም ንዝሰኣኑ ሰባት ክሰምዑ ነማሕፅኖምሕግታት ክንቅይሮም ኣገዳሲ እዩ፡” ትብል

እቶም ነበርቲ እዚ እናበሉ ከለው ግን መሰላት ምውናን ብረት ዝድግፍ ጉጅለን ናይ ምእማን ስራሕ ዝሰርሕ ሓያል ናይ ሎቢ ውዳበን National Refile Association /ሃገራዊ ማሕበር ብረትን/ ኣብ ህዩስተን ቴክሳስ ኣኼብኡ ይዛዝም ነይሩ። እቲ ጅለ ኣብ ብረት ንዝግበሩ እገዳታት ይቃወምኣብ ቴክሳስ ዝኣመሰላ ክፍለ ግዝኣታት ድማ ፖለቲካዊ ፅልውኡ ዝለዓለ እዩ

ባይደን ዑደቶም ይዛዝሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሕዙናት ኣብ ኣደባባይ እታ ከተማ ተኣኪቦም ንግዳያት ክብሮም ይግልፁ ይዝምሩንኣባልት ግዳያት ዕነባብን ናይ ፅሑፍ መልእኽትታትን ይህቡ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ህውከት ከብቅዕ ተስፍኦም ይገልፁ

XS
SM
MD
LG