ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ስራሑ ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ


Ayder Hospital
Ayder Hospital

ኣብ ትግራይ ዝዓበየ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሕፅረት መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ሕጂ ግን መወዳእታ ስለ ዝበፅሖ ስራሕቱ፡ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ደው ከብል ከም ዝወሰነ መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣገልግሎት እቲ ሆስፒታል ካብ በብእዋኑ እናተቖራረፀ ከምጽእ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ግን ምስ ምቍራጽ ሓይሊ መብራህቲ ኣብ ትግራይ እቲ መሰረታዊ ስራሓት ንምግባር ከም ዘይክኣሉ ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ገሊጾም። እቲ መወከሲ ሆስፒታል ብዋሕዲ ቀረባት መድሃኒት፡ ስእነት ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ክሳቐ ምፅናሑ በብእዋኑ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ብመሰረት እቲ ወሪዱ ዘሎ ውሳነ፡ እቲ መወከሲ ሆስፒታል ንህጹጽ ሓደጋን ካልእ ደቀቕቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ክህብ ክቕጽል’ዩ። በዚ ድማ ካብ ሓደ ሓያሎ ስራሓት ዝካየደሉ ዝነበረ ዓቢ ሆስፒታል ናብ ተራ ማእከል ጥዕና ደረጃ ምውራዱ ዶ/ር ክብሮም ይውስኽ። ከም ሓበሬታ መዲካል ዳይረክተር እቲ መከስሲ ሆስፒታል፡ ዋላ’ውን እቲ ናይ መወዳእታ ጠንቂ ዝዀነ ሓይሊ መብራህቲ እንተ ተመልሰ፡ ንቡር ኣገልግሎት ንምሃብ ከም ዘይክእሉ ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG