ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣስመራ ተመሊሱ፣ ኣብ ውድድር ቱር-ዲ ፍራንስ’ውን ኣይክሳተፍን’ዩ


Giro d'Italia
Giro d'Italia

(ኣስመራ 28 ግንቦት 2022)፡ዕዉት 10ይ መድረኽ ጂሮ ኢታልያ ቢንያም ግርማይ ሎሚ 28 ግንቦት ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገሩሉ። ህዝቢ ኣስመራ ብሓፈሻ፡ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታን ማሕበረሰብ ብሽክለታን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻእ ድሙቕ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ብምዕዋት ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብምዃን ሓድሽ ታሪኽ ዘመዝገበ ኤርትራዊ ፕሮፌርሽናል ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተር ማርሼ ቢኒያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ሆተል ኣስመራ ፓላስ ብዛዕባ ኵነታት ዓይኑ፡ ዓወቱን መጻኢ መደባቱን ንጋዜጠኛታት ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ኵነታት ዓይኑ ኣብ ደሓን ከም ዝረከብ ዝተዛረበ ብኒያም፡ ጋንታኡ ኢንተር ማርሼ ድሕሪ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ ንኽሳተፍ ዕድመኳ ኣቕሪባትሉ እንተነበረት፡ ኣቐዲሙ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ናይ ምስታፍ መደብ ሒዙ ብምንባሩን በቲ ካልእ’ውን ኩነታት ዓይኑ ኣጸቢቑ ክሓውያሉን ዕረፍቲ ንምውሳድን ነቲ ጠለብ ከም ዘየተቐበሎ ተዛሪቡ።

ዕዉት 10ይ መድረኽ ቢኒያም፡ ኣብ ፖድየም ሽምፓኝ ኣብ ዝኸፍተሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ጸጋማይ ዓይኑ ብመኽደኒ ብምህራሙ ከብ ጂሮ ኢታልያ እንተ ተኣለየኳ፡ ካብ በበይኖም ወገናት ቀጻሊ ምትብባዕ ይውሕዘሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ልምምድ ከም ዝጅምረን ኣብ ዙር ኤርትራ ናይ ምስታፍ መደብ ከም ዘለዎን’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG