ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን ጋቦንን ዶባትን ከነጽራ ይሰማምዓ


FILE PHOTO: Gabon is home to the world's tallest mangrove trees
FILE PHOTO: Gabon is home to the world's tallest mangrove trees

ሰበስልጣን ጋቦንን ካሜሮንን ኣስታት 300 ኪሎ ሜትር ዝፅጋዕ ዶባተን ዳግም ንምክትታልን ኣብ መንጎ ተዳበውቲ ማሕበረሰባት ዝፍጠር ተደጋጋሚ ግጭት ጠጠው ንምባልን ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋና ከተማ ካሜሮን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብቲ ዶባ ዝካየድ ዝውውር ዕጥቒ ጠጠው ንምባል ሓባራዊ ወታደራዊ ሓይልታቶም ንምውፋር ተሰማሚዖም ኣለው።

ሰበስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ንሰለስተ ማዕልታት ዘካየድዎ ኣኼብኦም ትማሊ ሓሙስ ክዛዝሙ ከለው ዶባት ብዝሓሸ ንምስማርን ናይ ዶብ ፀጥታ ንምምሕያሽን እውን ተሰማሚዖም ኣለው።

ልኡኻት ፈረንሳይ፡ ጀርመን፡ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዓለምለኸ ጉጅለታትን ዝሓወሰ ኣኼባ ዶባተን ኣብ ሰለስተ ዓመት ክውስና ምኽሪ ሂቡወን ኣሎ።

XS
SM
MD
LG