ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንልዕልና ሕጊ ይጽውዕ


Ethiopia Patriots Victory Day
Ethiopia Patriots Victory Day

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ትማሊ 18 ጉንበት 2014 ዓ/ም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢሉ ብዝፀውዖ 16 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኩሎም ኣካላት መራኸቢ ብዙሃን ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ሰብኣዊ መሰሎም ክሕለወሎምን ዘሕትት ስራሕ ዝሰርሑ ድማ ብሕጊ ክሕተቱን እቲ ኮሚሽን ሓቲቱ ኣሎ።

ብኻልእ ዜና ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ማኔጂንግ ዳይረክተር መፅሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝን ኣሰናዳኢ ኢትዮጵያ ፎረም ያየሰው ሽመልስን ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተለዋጢ ቆፀራ ከምዝተውሃቦም ጠበቓታቶም ገሊፆም።

ኣብ ፖሊስ ፌደራል ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ገበን ኣቶ ሙሊሳ ኣብዲሳ ትማሊ ንመንግስታዊ መርኸቢታት ኣብ ዝርሃቡዎ ርእይቶ ማእሰርቲ ናይቶም ሰብ ሞያ ምስ ገበን ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎ።

ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ምእሳሮም ኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኬኔዲ ኣባተ።

XS
SM
MD
LG