ፕረሲደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይብ ኤርዶዋን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ከምዝመልሶም ቃል ኣትዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣንጻር`ቶም ስደተኛታት ዝርአ ህዝባዊ ዘይተቐባልነት እናወሰኸ ስለዝኸደ`'ዩ። እቲ ምምላስ ንባዕሉ ግን ነቒፈታ ኣስዒቡ`ሎ።
ኣብ ቱርኪ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ሶርያውያን ስደተኛታት ኣለዉ--ካብ ኲናት ሕድሕድ ሃገሮም ዝሃደሙ። ሕጂ ግን ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ንዓዶም ክመልሶም`የ ይብል ኣሎ ፕረሲደንት ቱርኪ። ሓዲሽ ህይወት ንኽጅምሩ ድማ ኣማኢት ኣሸሓት ኣባይቲ ክሰርሓሎም`የ ይብል። ዝምለስሉ ቦታትት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወተሃደራዊ ሓይሊ ቱርኪ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ተቓወምቲ ሶርያ ከም ዝኸውን'ዩ ዝግለጽ።
ሃያ ኣታሲ ኣብ ቱርኪ ተሓላቒ ስደተኛታት`ያ ነቲ ውሳነ ምምላስ ስደተኛታት ትቃወም “ኣልማማ ማእሰርቲን መስወርቲን ከምኡ`ውን ሃውራዊ ቅትለት ኣሎ። ብሓፈሽኡ ኣብ ሶርያ ጸጥታ የለን። ቅንጸላታትን ካብ ገዛኻ ወጺኻ ዘይትምለሰሉ ኩነታትን እናሃለወ፡ ነቲ ከባቢ መን ይቆጻጸሮ`ሎ ብዘየገድስ ምምላሶም ውሑስ ኣይኮነን፡“ ትብል።
ኤርደዋን'ውን ጸቕጢ ምስ በዝሖ`ዩ ሚልዮናት ክመልስ ዝደሊ ዘሎ። ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርእዮ- ህዝባዊ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ`ቶም ስደተኛታት እናወሰኸ'ዩ ከይዱ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ሶርያውያን ዝነብርሉ ከባቢ ህዝባዊ ናዕቢ ተላዒሉ ኔሩ`ዩ።
ዝመጽእ ዓመት ንዝካየድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ድማ መብዛሕቲኦም ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ንምምላስ ስደተኛታት ሶርያ ዝጽውዑ ኮይኖም ኣለዉ።
ሓይልታት ጸጥታ ቱርካውን ነቶም ዘይሕጋውያን ዝብልዎም ስደተኛታት ሶርያ እናገፈፉ ናብ ዓዶም ይጥርዙዎም ኣለዉ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ግን ተስፍኦም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር`ዩ ኔሩ።