ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን መርገጺ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ቻይና የነጽር


U.S. Secretary of State Antony Blinken speaks during a reception celebrating Eid in Washington
U.S. Secretary of State Antony Blinken speaks during a reception celebrating Eid in Washington

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መደረኡ፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝወሰደ፡ ንቻይና ናብቲ ዝድለ መስመር ደሞክራሲ ንምትዕርራያ ቀሊል ዘይምንባሩ ጠቒሱ።

ብሊንከን ንኣጠማምታ መንግስቱ ኣብ ጉዳይ ቻይና ኣመልኪቱ ከም ዝበሎ፤

“ኣብቲ መሰረታዊ ዝዀነ ኣዕኑድ ጸቒጣን ኢና ንሰርሕ። ንሳቶም ድማ ውድድርር፡ ምህዞን ደሞክራሲን’ዮም። ንሕናን ንኻልኦት መላፍትናን ኣብዚ መሰረታዊ ኣዕኑድ ጠሚቶም ክሰርሑ ኢና ድፍኢት ንገብር። ኣብዚ መዳይ ድማ ምስ ቻይና ክንወዳደር ግድን’ዩ። ውድድር ጥራይ ዘይኰነስ ንስለ ረብሓና ክንብል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ምዃንና’ውን ክሕብር እፈቱ።”

ብሊንከን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንቻይና ንምትዅታዅ ከም ዘይትሰርሕ ኣነጺሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ ንቻይና ካብ ዓለምለኻዊ መትካላትን ስምምዓትን ክትርሕቕ ስቕ ኢላ ክትርኢ ዘይምዃና ግን ሓቢሩ።

“ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሺ ዢፒንግ ማሕበራዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ኣመና ጨቋኒ እናዀነ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን በይንጂንግ ንስለያ ዘገልግል ኣገባብ መቆጻጸሪ መሊኻቶስ ንልዕሊ 80 ሃገራት’ውን ሰዲዳ ምህላወ ተገንዚብና ኣሎና። እዚ ድማ መሊሱ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ዘለዋ ጥሙሕ ዘጋድድ፡ ንጸጥታን ሰላምን ከባቢን ዝዘርግ፡ ከምኡ ድማ ንናጻ መስመራት ንግዲ ዝሓላልኽ’ዩ፡” ይብል ብሊከን።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሚቸል ባችለት ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ሺንዣንግ ንምዕጻብ ንቻይና በጺሓ ነይራ። ሓያሎ ኣመንቲ እስልምናት ዩጊሩ ብኣልማማ ምእሳሮም ብሰፊሑ ተጸብጺቡ’ዩ። ብሊንከን’ውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ መስመር፡ ሃገሩ ንሰብኣዊ ኵነታት ቻይና ብደቂቕ ከም እትከታተሎ ኣብ መደረኡ ጠቒሱ።

ጉዳይ ውሑዳን ንመሰረታዊ ዓለምለኸ ውዕላት ዝጥሕስ ብምዃኑ ድማ ቻይና ነቶም ዝፈረመትሎም ስምምዓት ከተትግብር ብሊንከን ጸዊዑ። ሓደ ካብቲ ናይ ቀረባ እዋን ኢሉ ብፍሉይ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ሆንግ-ኮንግ ዝርአ ዘሎ ጸቕጢ’ዩ።

ብሰኑይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቻይና ናብ ታይዋን ምስ እተወጣውጥ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ምጥቃም’ውን ከም ዘይቍጠቡ ጠቒሱ ነይሩ። ኣንደበት ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ኣመሪካ ክትክተሎ ዝጸንሐት ነዊሕ ናይ ኣሻማዊ መስመር ዝፍለ ምንባሩ ንሓያሎ ኣዛሪቡ ነይሩ። ጸሓፊ ብሊንከን ግን ፖሊሲ ኣመሪካ ከም ዘይተወለጠ ኣስሚሩ ኣሎ፤

“ኣብ ፖሊሲና ዝተለወጠ የሎን። እቲ ለውጢን ኣሻቓሊ ግን ቻይና ንታይዋን ንምኽርዳን እትገብሮ ዘሎ ስጕምታት ብምውሳኹ’ዩ። ንታይዋን ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኮን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ተወካልነት ከይህልዋን ትሰርሕ ኣላ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ቀጻሊ ተዃታዂ ስጕምታት’ውን ትወስድ ኣላ። ገለ ካብኡ ኣብ ዶባት ታይዋን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ምግባር’ዩ። እቶም ብወገን በይጂንግ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጕምታት ንሰላምን ርግኣትን ታይዋን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ’ዮም።”

ጸሓፊ ብሊንከን ግን መንግስቱ ካብ ቻይና ክንጸል ድሌት ከም ዘይብላ ኣስሚሩ ኣሎ። እኳ ደኣ ንሃገራዊ ረብሓን መስመራትን ኣመሪካ ብዘይጻረር መገዱ ንግድን ካልእ ርክባትን ክሕይል ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG