ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ጋዜጠኛታት ዝሓወሰ ማእሰርቲ ይቕጽል


Ethiopia Parliament
Ethiopia Parliament

ኣብ ኢትዮጵያ: ንጋዜጠኛ ኢትዮ-ፎረም ያየሰው ሺመልስ፣ ቀንዲ ኣዳላዊ መጽሔት ፍትህ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝን መምህርን ጋዜጠኛን መስከረም ኣበራን ሓዊሱ ልዕሊ 10 ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ መዓልታት ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታትና ገሊጾም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና'ውን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንምቍጽጻር ገበን ብዝብል ምኽንያት 349 ዜጋታት ከም ዝተኣስሩ ኮሚሸናት ፖሊስን ኣዲስ-ኣበባን ኣመልኪቶም። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ዜጋታት ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት--ከምእኒ ተርእዮታት ግብረ-ሽበራ--ከም ዝወዓሉ'ውን ፖሊስ ይጠቅስ።

ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ኣልማም ማእሰርቲ ኣመልኪቶም ድማ በበይኖም ወገናት ስምዕታኦም የቕርቡ ኣለዉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን (CPJ) ገለ ካብቶም ስክፍታኦም ዝገልጹ ዘለዉ ኣካላት'ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ዝውስደ ዘሎ ስጕምቲ ዝተጸንዐን ዝኣክል መርመራ ድሕሪ ምግባሩን ምዃኑ የመልክት።

XS
SM
MD
LG