ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ቴክሳስ ብውሕዱ 19 ቈልዑን ክልተ ዓበይቲን ዝቐተለ መንእሰይ፡ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ተዅሲ ከም ዝኸፍት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣጠንቂቑ ከምዝነበረ፡ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ኣፍሊጡ።
ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 18 ዓመት ሳልቫዶር ራሞስ ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘቋረጸን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም ዝነበሮን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣማሕዳሪ ቴክሳስ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዝነበሮ ግን ብወግዒ ዝተመዝገበ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ።
30 ደቓይቕ ቅድሚ`ቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻዱ፡ 'ንዓባየይ ተኲሰ ክቐትላ`የ ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩን ድሕሪኡ ድማ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኵስ'`የ' ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጽሓፉን እቲ በዓል መዚ ዝተዛሪቡ`ሎ።
እቲ መንእሰይ ዝተጠቐመሉ `መታ` ዝተባህለ ኣካል ማሕበራዊ ሚድያ ፈይስቡክ፡ ራሞስ ናብ ሓደ ሰብ ጥራሕ ከምዝጸሓፈ ኣፍሊጡ`ሎ።