ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ሆስፒታል ሰነጋል 11 ናጽላታት ወሲዱ

Eleven newborn babies die in a fire at the neonatal section of a regional hospital in Senegal
Eleven newborn babies die in a fire at the neonatal section of a regional hospital in Senegal

ኣብ ሰነጋል ኣብ ዝርከብ ሓደ መወለዳን ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 11 ናጽላታት ከም ዝሞቱ ፕረሲደንት ሰነጋል መኪ ሳል ኣፍሊጡ።

“በቲ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ዘጋጠመ ሞት ቆልዑት ከቢድ ሓዘን ይስምዓኒ፡" ዝበለ ፕረሲደንት ሳል፡ ንኣዴታትን ስድራቤትን ጽንዓት ተመንዩ`ሎ። እቲ ባርዕ ሓዊ ብሰንኪ ምቅጻል ኤለክትሪክ ከም ዘጓነፈ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ንዋዕላ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ሚኒስተር ጥዕና ሰነጋል፡ ኣኼባኡ ኣቋሪጹ ናብ ዓዱ ከም ዝምለስ ኣፍሊጡ`ሎ። ፕረሲደንት`ታ ሃገር`ውን ብመገሻ ኣብ ኣንጎላ`ዩ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG