ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያውን ጓሶት ደርቂ ንመንባብሮኦም ከይበትኮ ይሰግኡ


WFP warns millions facing hunger as driest weather in decades ravages Horn of Africa (File)
WFP warns millions facing hunger as driest weather in decades ravages Horn of Africa (File)

(ጎደ ኢትዮጵያ 05/26/22) እኩብ ኣዕጽምቲ ዝሞታ ከብቲ ካብቲ ልሙድ ትርኢት ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።

ነበርቲ ከባቢ፡ በብእዋኑ ዝርአ ደርቂ ምንባሩ የጸንትዉ። እንተዀነ፡ መብረ ስለ ዝነበሮ ህይወቶም ንምቕጻል ከም ናይ ሕጂ ኣይተጸገሙን። ሕጂ ግን ብሰንኪ ሰንሰለታዊ ስእነት ዝናብ፡ መጓስኦም ኣብ ምብታኽ’የን በጺሐን።

ሓደ ካብቲ ዝርአ ዘሎ ፍልልይ እቶም ዝናብ ንምህዳን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ሓደ ስፍራ ክቘሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ነበርቱ ይዛረቡ። ዓብዲዋሊ መሓመድ ሳላድ ኣማሓዳሪ ዓዲ’ዩ።

“ኣብ ክንዲ ሰበኽ-ሳግም ኴንካ ምቕጻል፡ ምናልባት ህይወት ሕርሻ ምጅማር ኣማራጺ’ዩ። እቲ ካልኣይ ኣገባብ ድማ ብዛዕባ ካልእ ኣገባባት ኣነባብራ ትምህርቲ ምውሳድ’ዩ። ምናልባት ግን ኣብ መጻኢ ዝተሓናፈጸ ኣገባብ ክንጥቀም ንኽእል ንኸውን፡” ይብል ሳላድ።

ሰብ-መዚ ኵነታት ኣየር ኣብ ዝመጽእ ዓመት’ውን ዓቐን ዝናብ ብ61% ክጕድል ከም ዝኽእል ይትንበዩ። እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ጸገም’ውን መሊሱ ከጋድዶ’ዩ። ክኢላታት ድማ እቲ ኣገባብ ውሕስነት ስለ ዘይብሉ ካልእ ኣማራጺ ከነድዩ ግድን ምዃኑ ይምዕዱ።

ኣብ ሰሜን ክልል ዓፋር፡ ተመሳሳሊ ብደርቂ ስለ ዝተጠቕዑ፡ ናብራኦም ኣብ ሓገዝ’ዩ ወሪዱ ዘሎ። ነባሮ ነቲ ዝለመዱዎ ህይወት መጓሰ ክግድፉ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። መንግስቲ ክሕግዞም ትጽቢት ይገብሩን ይምሕጸኑን። ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግን እዚ’ውን ቀሊል ኣይኰነን።

ብዙሓት ምስ ከይዲ፡ ኣብ ዝመጽእ ወለዶ ከምጽእ ዝኽእል ለውጢ ክርእዩዎ ክፉታት ደኣ ይዅኑ እምበር፡ ሕጂ ግን መሰጋገሪ ይደልዩ። ኣተኵሮ ብዙሓት ከኣ ኣብ ሕጂ’ዩ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG