ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ/ ሶማሊያ ኣብ እዋን ስንብቶም ንበዓል ስልጣን የባርሩ


Emirates Somalia (AP)
Emirates Somalia (AP)

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማሊያ መሓመድ ሑሰን ሮብለ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከሰል/ፈሓም ናብ ዖማን ክስደድ ኣዚዞም ብዝብል ክሲ ንሚንስተር ጉዳያት ወፃኢኦም ዓብዲሰይድ ሙሴ ኣባሪሮም። መንግስቲ ሶማሊያ ብርሰት ኣእዋምን ንግጭት ዝውዕል ገንዘብ ንምኽልካልን ፈሓም ናብ ወፃኢ ከይልኣኽ መንግስቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እገዳ ኣንቢሩ'ዩ።

ተንተንቲ ግን እቲ ናይ ስልጣን እገዳ ቅኑዕ ምኽኒያት ምስዳድ ከሰል ኣይኮነን ይብሉ። ሓድሽ ዝተመረፁ ፕሬዝዳንት ሓሳን ሸኸ ማሕሙድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ክትክእዎም ትፅቢት ስለ ዝግበር እገዳ ሚኒስተር ወፃኢ ሙሴ እውን ነዊሕ ትፅቢት ዝተገብረሉ እዩ ነይሩ።

እቶም ሚኒስተር=ር ወጻኢ ስለ ምንታይ ዘይሕጋዊ ሰደድ ከሰል ፈቒዶም ዝብል ምስጥር እዩ። መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ሶማሊያ ንእዋን ስግግር ምምሕዳራት ኣብ ክንዲ ናይ ህዝቢ ናይ ባዕሎም ረብሓ ብምቕዳም ከም ዝብለፅሉ ምስጥር ኣይኮነን ይብል ፀብፃብ መሓመድ ሸኽ ኑር ካብ ሞቓድሾ።

XS
SM
MD
LG