ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶክተር ቴድሮስ ብኻልኣይ እብረ መዝነት ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ብዙሕ ብድሆታት ይፍልሞ


75th World Health Assembly at the United Nations in Geneva
75th World Health Assembly at the United Nations in Geneva

ትማሊ 24 ግንቦት ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ካልኣይ እብረ ዝተመርጸ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ለበዳ ኮቪድ ገና ተስፋ ኣብ ዘይሃበን ብዂናት ዩክሬን ዝተፈራረቐ ኣቓልቦ ዓለምን ይገጥሞ ኣሎ።

እቲ እንኮ ብሞያ ሕክምና (መዲካል ስኩል) ዘይተማህረን ብሃገሩ ኢትዮጵያ ዘይተደገፈን ኰይኑ ንኻልኣይ እብረ መዝነት ዝዳሎ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ እዋኑ ሓያሎ ብጽቡቕ ኣብነት ዝጥቀሱ ገለ ከኣ ነቲ ትካል ዘንቅፉ ዓመታት’ዩ ሓሊፉ። ኣብ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ትካል ዘርኣዮ ግብረ-መልሲን ጻዕርታት ምብጻሕን ብሓይሎ ተመስጊኑ’ዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና እኹል ጸቕጢ ኣይገበረን ብዝብል ብሓያሎ ኣደዳ ነቕፌታ ኰይኑ።

ብዘይ ካልእ ተወዳዳሪ ነቲ መዝነት ዝተዓወተሉ ዶክተር ቴድሮስ፡ ውጽኢት ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑን ውዕሉ እናፈረመ፡ ብዝተፈራረቐ ስምዒት እናነብዐ፡ “ሓድጊ ኲናት’የ፡” ብምባል ናብቲ ደረጃ ምብጻሑ ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ለበዳ ኮቪድ ገና ከም ዘይተሰወርና ደጋጊሙ ከተሓሳስብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ምስ ኲናት ዩክሬን ኣቓልቦ ዓለም ብምልዋጡ ኣብቲ ዘሎ ጸገመ ተወሳኺ ምግዳድ ከስዕብ ከም ዝኽእል እቲ ውድብ የመልክት።

XS
SM
MD
LG