ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ሻቕሎታ ተስምዕ


ETHIOPIA-TELECOMS/
ETHIOPIA-TELECOMS/

ወሃብ-ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘርኣዮ ተበግሶ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ጻዕርታት ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝን እኳ እንተ መጐሰ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ዜጋታትን ግን ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ።

ነድ ፕራይስ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ቀረባ እዋን ተደጋጋሚ ዘጓንፍ ዘሎ ምጕስቓል ጋዜጠኛታት፡ ምዕፋን ናጻ ፕረስን ሰለማውያን ዜጋታትን ኣመና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ መንግስቲ ልዕልና ሕጊ ከተግብር ጸዊዑ።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ትሽዓተ ጋዜጠኛታትን ኣብ ሜድያ ዝነጥፉ ዜጋታትን ተኣሲሮም፡ ክልተ መስመራት ዩትዩብ ድማ ቤት ጽሕፈተን ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተደፍረ ኣመልኪቱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 11 ጋዜጠኛታትን ኣርባዕተ ናጻ መራኸቢታትን ምዕጻወትን ከመልክት እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህጹጽን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክፈትሕን መሰል ናጻ ፕረስ ከኽብርን ጸዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG