ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረሲደንት ዩጋንዳ፤ "ጠንቂ ክብሪ መነባብሮ ኲናት ዩክሬን'ዩ"


President Uganda at UNGA (File)
President Uganda at UNGA (File)

ንውግእ ኡክረይን ጠጠው ከብልዎ ኣይከኣሉን ኢሎም ንወጻእተኛ ሓይልታት ዝነቐፉ መራሒ ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ እቲ ኩነታት ንኡጋንዳ ሓዊሱ ኣብ ምሉእ ዓለም ናብራ ንክኸብር ከምዝገበረ ገሊጾም።

ክኢላታት ቁጠባ ግና ‘ሙሰቨኒ ንወጻእተኛታት ከምሰበብ ምጥቃም ደው ኣቢሎም፡ ኣብ ሃገሮም፡ መጠን ግብሪን መንግስታዊ ወጻኢታትን ክንክዩ’ ሓቲቶም።

ኡጋንዳዊያን፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ፣ ከም ነዳዲን መግቢን ኣብ ዝኣምሰሉ ኣገደስቲ ቀረባት መጠን ዘውጽእዎ ገንዘብ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ቅድሚ ትማሊ ሰንበት መደረ ዘስምዑ ሙሰቨኒ ግና ‘ነቲ ዘየለ ጸገም ፈጢሮም ናብ ክባር መነባብሮን ዘሳጥሑናን ኤውሮጳዊያን፡ ስለዚ፣ ንኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ሩስያን ዘለው መሃዝቲ ጌጋ ምምርኻዝ ጠጠው ክነብል ይግባእ’ ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር።

ክኢላ ሕርሻ ዛይና ኣይጋሩ ግና ‘ንዝሓለፉ ኣስታት 2 ዓመታት፣ መሸጣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ከምዘንቆልቆለ፡ ሙሰቨኒ፡ ንመጠን ግብሪ ክንክዩን እዩ ዝግባእ ትብል።

ኣብ ኡጋንዳ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ሓደ ዶላርን 56 ሳንቲምን እዩ።

XS
SM
MD
LG