ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊያ ስራሕ ጀሚሮም፡ ብዛዕባ ንኤርትራ ዝተላእኩ ወታሃደራት’ውን ጠቒሶም


VOA60 Africa - Hassan Sheikh Mohamud officially became the new president of Somalia
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:00 0:00

VOA60 Africa - Hassan Sheikh Mohamud officially became the new president of Somalia

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማሊያ ዝዀኑ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ንፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ስዒሮም ድሕሪ ምዕዋቶም ወግዓዊ ስልጣን ተረኪቦም ኣለዉ።

እቶም ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝነበረ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ንታዕሊም ተባሂሉ ናብ ኤርትራ ዝተላኣኹ ሶማላውያን ክምለሱ ምዃኖም ተዛሪቦምን ብወግዒ ዝገለጹ ዝለዓሉ በዓል ስልጣን እታ ሃገርን ኰይኖም ኣለዉ።

ኣብ ድሙቕ ስነ ስርዓት ምቅብባል ስልጣን መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ፈርማጆ፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ክሕግዙዎም ናብ ህዝቢ ሶማልያ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ፎርማጆ ኣብ ዘረበኦም ወታሃደራት ሶማልያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተው ንፈለማ ጊዜ ኣረጋጊጾም።

እቶም ሶማልያዊያን ወትሃደራት፣ ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ከምዝተላኣኹን፣ ኣብ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ የካይዶ ዝነበረ ውግእ ተሳቲፎም እዮም ዝብል ክሲ ይቃላሕ ከምዝነበረን ዝዝከር እዩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ርኽክብ ስልጣን መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ንጉዳይ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቶም፡ “ሎሚ ታሪኻዊት ዕለት እያ። ስልጣንን መንግስታዊ ሰነድን ብሰላማዊ ኣገባብ ተረኪበ ኣለኹ። ኣብ ኤርትራ ዘለው ተዓለምቲ ሶማልያዊያን ወታሃደራት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና፡” ኢሎም።

ብዝሒ ናብ ኤርትራ ዝተላኣኹ ሶማልያዊያን ኣባላት ሰራዊት ክሳብ ሎሚ ሚስጢር ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ግና 5000 ኣባላት ሰራዊት ከም ዝተዋፈሩ ይገልጹ። ወለዲ’ቶም ወታሃደራት ብወገኖም ‘ደቅና ኣበይ ኣተው እናበሉ’ ተደጋጋሚ ናይ ተቃውሞ ሰልፊታት ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG