ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 31 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ተዘኪሩ


President Isaias (file)
President Isaias (file)

ሎሚ 24 ግንቦት፡ ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ ዕለተ ዝኽሪ መበል 31 ዓመት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ተዘኪሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዝተገብረ ወግዓዊ ጽንብል፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ወጻእተኛታትን ዜጋታትን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንኣገዳስነት እታ ፍልይቲ ዕለትን ንምጕንጻፋ ዝተኸየድ ነዊሕ ቃልሲ ዘርዚሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መደረኡ’ውን ንዓለማዊ ዕብለላ ምዕራብን ፈጢሩዎ ብዛዕባ ዝበሎ ምምዝባዕን’ውን ጠቒሱ። ምስ ጭርሖ ናይዚ ዓመት ኣተኣሳሲሩ’ውን ኤርትራ ዛጊት ዝወሰደቶ “ናጻ ሕርያ” ንሱ ምዃኑ ብምስማር መድረኡ ዛዚሙ።

ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ በበይኑ ሃገራት፡ ብኤርትራውያን ማሕበረኮማት’ውን ክዝከር ቀንዩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG