ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ/ ኣቢይ ኣሕመድን ትምኒት ገብሩን ኣብ መንጎ 100 ጸለወቲ’ዚ ዓመት ተሰይሞም


PM Abiy Ahmed (File)
PM Abiy Ahmed (File)

መጽሔት ታይም ትማሊ ኣብ ዘውጽኣቶ ዝርዝር 100 ኣዝዮም ጸለውቲ ውልቀ-ሰባት ናይ ዓመተ 2022 ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ኤርትራዊት ተመራማሪት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ትምኒት ገብሩን ኣብ ዝርዝራ ኣጠቓሊላቶም ኣላ።

ከም ኣገላልጻ እታ መጽሔት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ 2019 ንተበግሶ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝወሰዶ ስጕምቲ ሽልማን ኖበል ሰላም ደኣ ይቀበል እምበር፡ ኣብቲ 19 ኣዋርሕ ሒዙ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተጻወቶ ተራ ግን ብኸቢድ ተነቒፉ ኣሎ። መጽሔት ታይም ብሰንኪ ምምሕዳር እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ንዓሌታዊ ጽንታ ዝቕስቅስ ኣንደበትን’ውን ብፍሉይ ጠቒሱዎ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዝርዝር ድማ ምስ ኩባንያ ጉግል፡ ብዛዕባ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈጥሮ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ክርክር ዝኣተወት ኤርትራዊት ተመራማሪት ትምኒት ገብሩ ተዘርዚራ ኣላ። ካብቲ ኵባንያ ድሕሪ ምውጻኣ ናታ ትካል ከፊታ ዘላ ትምኒት ገብሩ፡ ኣንጻር ሓያላን ደው ምባላን ነቲ ዓውዲ ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለ ከተውዕል ብምስራሓን ፍሉይ ኣድናቖት ረኺባ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጸሓፊት ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝዀነት ቢልለኔ ስዩም ናብታ መጽሔት ኣብ ዝጸሓፈቶ መልሲ፡ “ወገናዊ ኣገባብን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝጻረርን መሳርሒ ካልኦት ወገናትን” ክትብል ብትሪ ኰኒናቶ።

XS
SM
MD
LG