ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንምልቃቕ ምሩኻት ኣመልኪቶም ምላሽ ይህቡ


ethiopia map
ethiopia map

ህወሓት ብምሕረት ለቒቐዮም ዝበሎም ምሩኻት ወታሃደራት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘይፈልጥ ገሊፁ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ኮሚኒከሽን ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ፓትሪክ ሜዤቫንድ ብጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቶም ከም ዝበሉዎ ክልል ትግራይ ዝተማረኹ ወታሃደራት ፌደራል መንግስቲ ንምልቃቕ ምውሳኑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝሰምዑዎ ኣመልኪቶም።

ኣተሓባባሪ ማእከል ምሩኻት ክልል ትግራይ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መቐለ ንጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ልዕሊ 4-ሽሕ ምሩኻት ከም ዝለቐቝን ሓይልታት ትግራይ ክሳብ ዝቆፃፀሩዎም ከባቢታት ብመኪና ከም ዝኸዱን ቀፃሊ ጕዕዘኦም ድማ ምስ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ከም ዝኸውን ገሊፆም ነይሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፡ እቶም ብሓይልታት ትግራይ ተለቒቖም ዝተባህሉ ኣብ ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣባላት ስድራ መከላኸሊ ሰራዊትን ካልኦት ሲቪላትን’ዮም ድሕሪ ምባል ህወሓት ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም፡ እዚ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምልቃቕ’ቶም ምሩኻት ምኽሓድ’ዩ ድሕሪ ምባል ገና ካብቶም ዝተለቐቑ ክልተ ዕፅፊ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ኣለዉ ኢሎም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG