ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተረረ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝኽእሉ የመልክቱ


JOE BIDEN (File)
JOE BIDEN (File)

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤስያ ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ቻይና ንታይዋን ክትጐብጣ እንተ ፈቲና ተሪር ግብረ-መልሲ ክህቡ ምዃኖም ኣመልኪቶም። ፕረዚደንት ባይደን ነዚ ዝጠቐሱ ምስ ናይ ጃፓን መዛንኦም ጋዜጣዊ መግለጺ ይህቡሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ’ዩ። “ንታይዋን ክንከላኸለላ ኪዳን ኣሎና፡” ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብመራሕቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዝነበረ ኣሻማዊ መርገጺ ኣዝዩ ዝፍለ’ዩ።

ቻይና ንታይዋን ከም ኣካላ ገይራ እትርእያ ኰይና፡ ኣድላዪ እንተ መሲሉ ብሓይሊ ክትምለሳ ምዃና’ውን ብተደጋጋሚ ትጠቅስ’ያ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና’ውን ብመገዲ ወሃብ-ቃሉ ኣቢሉ “ኣብ ቅድሚ 1.4 ቢልዮን ቻይናውያን ደው ዝበለ ኣካል” እታ ሃገር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከም ዘይተእትዎ ጠቒሱ ኣሎ።

ንሰሉስ ኣመሪካ ክምለሱ ትጽቢት ዝግበሮም ፕረዚደንት ባይደን፡ ምስ መራሕቲ ናይቲ ብ“ኳድ” ዝፍለጥ--ብቐንዱ ንጽልዋ ቻይና ክገትእ ዝፍትን ኪዳን-- ክራኸቡ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG