ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4000 ዜጋታት ተኣሲሮም


Ethiopia Protest (File)
Ethiopia Protest (File)

(ዋሽንግተን ዲሲ 05/23/22)፡ ሰብ-መዚ ጸጥታ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ብዘከያዱዎ ሰፋሕቲ “ሕጊ ናይ ምትግባር” ዝተሰምየ ስርሒት ኣስታት 4500 ዜጋታት ምእሳሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ተበግሶ እንኮላይ ንጋዜጠኛታት’ውን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ዜና ይውስኽ። እዚ ተብግሶ ዝኸውን ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ20 ግንቦት “ንድሕነት ሃገርን ዜጋታትን” ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ከመልክት እንከሎ፡ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ደሳለኝ ጣሰው ድማ እቲ ተበግሶ ን “ገበንኛታት ንምቝራምን ናይ ደገ ጸላእቲ ንምክልኻልን፡” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እንኮላይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ብምምልካት ሓያሎ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይኖም ዘለዉ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ ጠቒሱ ኣሎ።

ብሰንኪ’ቲ ንሓያሎ ጋዜጠኛታት’ውን ዒላማ ዝገበረ ኣልማማ ማእሰርቲ ብዙሓት ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ ሃገሮም ገዲፎም ንስደት የምርሑ ምህላዎም’ውን እቲ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ዝወጸ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG