ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ናይ ባይደን ናይ ኤስያ ጉዕዞ እንታይ ትፅቢት ይግበር?


ካብ ናይ ባይደን ናይ ኤስያ ጉዕዞ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00

ካብ ናይ ባይደን ናይ ኤስያ ጉዕዞ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንትባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመራሕቲ ደቡብ ምብራቕ ኢሲያ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምእንጋዶም ሎሚ ሓሙስ ናብ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንንን ይገሹ ኣለው።ዋላዃ ጠመተ ኣሜሪካ ኣብ ወራር ሩስያ ንዩክሬይን እንተኾነ እውን ትኹረት ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዞባ ኢንዶ ፓሲፊክ ሎሚ እውን ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ዝሕበር እዩ

ምስ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኢሲያ ናይ ክልተ ማዕልቲ ዋዕላ ዘካየዱ ፕሬዝዳንትባይደን ናብ ሶልን ቶክዮን ይገሹ ኣለው

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንሂሩ ይቕፅልኳ እንተሃለወ ቻይና ዝዓበየት ስትራትጂክ ብድሆ ዝኾነትሉ ኢንዶ ፓስፊክ እውን ጠመተ ምምሕዳሮም ኮይኑ ክቕፅል እዩ።ናይ ትራንስ ፕስፊክን ትራንስ ኣትላንቲክን ጥምረት ምውህሃድ እዩ ኢሎም ኣማኻራዊ ሃገራዊ ፀጥታ ጄክ ሱሊቫን

‘’ፕሬዝዳንት ባይደን ንክልቲኦም ናብ ሓደ ንምጥማር ዘለዎም ፍሉይ ክእለት ከምዝመስለኒ ንናይ ወፃኢ ፖሊሲኦም ቀንዲ መለለዪ ምልክት እዩ’’ ኢሎም ሱሊቫን

ኣብ ሶል ባይደን ድሕሪ ተኸታታሊ ፈተነታት ቦለስቲክ ሚሳይል ሰሜን ኮሪያ ቃለ ምሓላ ምስ ዝፈፀሙ ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ደቡብ ኮሪያ ዩን ሱክ ዮል ክራኸቡ እዮም

ኣብ ቶክዮ ባይደን ኣብ ምሕዝነት ጉጅለ Quad ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፣ቀዳማይ ምንስቴር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣውስትራሊያ ስካት ሞሪሰን ወይ ተነሓናሒኦም ኣንቶኒ ኣልባነስ ቀዳም ኣብ ዝካየድ ምርጫ ምስ ዝሰዓረ ብምዃን ክሳተፉ እዮም

ባይደን ናይ ዩክሬይን ቅልውላው ተጠቒሞም ቻይና ኣብ ታይዋን ወይ ኣብ ኣሰሓሐብቲ ደሴታት ባሕሪ ደቡብ ቻይና ነቲ ዝፀንሐ ንቡር ኩነታት በይና ብሓይሊ ከይትልውጦ ፀቕጢ ንምፍጣር ክጥቀምሉ እዮም

ኣብ ዊልሰን ማእኸል ኪሲንገር ኢንስቲትዩት ዳይረክተር ቻይናን ኣሜሪካን ሮበርት ዳሊ ብዛዕባ እዚ ክገልፅ ከሎ እቲ ምምሕዳር ንመላእ እቲ ዞባ ብርቱዕ ደገፍ ከምዘሎን ጥምረት ትራንስ ኣትላንቲክ ከምቲ ኣብ ዩክሬይን ዝተርኣየ ኣዚዩ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎን ብዘየማትእ ንፁር ክገብር ድልየት ኣለዎ ኢሎም

ኣርባዕትኣዊ ናይ ድሕነት ልዝብ Quad ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያ፣ህንዲ፣ጃፓንን ኣሜሪካን ዝካየድ ስትራተጂያዊ ናይ ፀጥታ ልዝብ ኣብ መንጎ ሶሎሞን ኣይላንድስን ቤጂንግን ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ናይ ፀጥታ ስምምዕ ክላዘበሉ እዩ።እቲ ስምምዕ ቻይና ኣብዚ ስትራተጂያዊ ማያት ደቡብ ፓስፊክ ወታደራዊ መደብር ከይትተክል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ

ኣብ ሎዊ ኢንስቲትዩት ክኢላ ሱዛና ፓተን ሓይልታት ፀላእቲ ካብ ፓሲፊክ ውቂያኖስ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራሊያ ሓይሊ ከወጣውጡ የብሎምን ዝብል ናይ ኣውስትራሉያ ናይ ባዕላ መሰረታዊ ናይ ፀጥታ ምልከታ ኣለዋ ኢለን

ባይደን ናይ ምምሕዳሮም ማእኸል ቁጠባዊ ፖሊሲ ዝኾነ ናይ ኢንዶ ፓስፊክ ቁጠባዊ ፍሬምዎርክ ኣብ ቶክዮ ከጀምሩ እዮም።ምምሕዳር ኦባማ ኣብ 2016 ኣ\ፈ ሽርክና ትራንስ ፓሲፊክ ስምምዕ ነፃ ንግዲ ፈሪሞም ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2017 ኣ\ፈ ካብቲ ዝምምዕ ወፂኦም

ዝርዝር ናይቲ ፍሬምዎርክ ንፁር ኣይኮነን።ሓደ ነገር ግን ግልፂ ኮይኑ ኣሎ፤ናይቲ ከባቢ ሃገራት ዝደልይኦ ነፃ ንግዲ ዝብል ኣይሓዘን

XS
SM
MD
LG