ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ብምኽንያት መጕዳእቲ ዓይኒ ካብ ውድድር ዙር ኢጣልያ ተኣልዩ


ተዓዋቲ ዓስራይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ እዋን ዓወቱ ሻምፓኝ ክኸፍት እንከሎ ብዝወረዶ ማህረምቲ ዓይኒ ካብቲ ውድድር ክእለ ብሓካይም እታ ጋንታ ከም ዝተወሰነ ሎሚ ረቡዕ ጋንታኡ ኣፍሊጣ።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ሓኪም እታ ጋንታ ቢንያም ብዘጓነፎ ማህረምቲ ዓይኒ ኣብ ውሽጢ ዝረግአ ደም ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ውድድራት ክስሕብ ከም ዝወሰኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ሓኪም እታ ጋንታ ከም ዝጠቐሶ፡ ኵነታት ዓይኑ ይመሓየሽ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ክመጽእ ዝኽእል ረኽሲ ንምውጋድ ግን እቲ ውሑስ መገዲ እቲ ውድድር ምቍራጽ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ጋንታኡ ኢንተርማሸ ድማ፡ “ካብዚ ውድድር ብዓወት ይእለ ኣሎ፡” ክትብል ገሊጻ ኣላ።

ሎሚ ረቡዕ ንደቂ ጋንታኡ ክፋነዎም እንከሎ ድማ ንዝያዳ ምርመራን ክንክንን ናብ ሕክምና ከም ዝተወስደ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ይውስኽ።

ቢንያም ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዝጸሓፎ: ካብቲ ዝፈትዎ ውድድር ምእላዩ ጓሂ ከም ዝስምዖ ክገልጽ እንከሎ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ንራኸብ፡” ኢሉ ኣሎ።

ወዲ 22 ቢንያም ግርማይ ካብዚ ውድድር ክእለ እንከሎ ካብቲ ቀዳማይ ዘሎ ፈረንሳዊ ኣርኖድ ደማረ ብሰለስተ ነጥቢ ድሒሩ ካልኣይ’ዩ ጸኒሑ። ኔዘርላንዳዊ ናይ ፈለማ መድረኽ ዕዉትን ትማሊ ንቢንያም ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጸን ቫን ደር ፖል ድማ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ። ቢንያም ግርማይ ንናይ መድረኽ ውድድር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር’ውን ብተመሳሳሊ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ እቲ ውድድር ብምዃን ስሙ ኣብ ክብረ-ወሰን መዝጊቡ ነይሩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG