ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰባት ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ጥምየት ንደቆም እናራሕርሑ ይስደዱ


Ethiopia Tigray Crisis
Ethiopia Tigray Crisis

ሕቡራት መንግስታት ኣሽሓት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ይርከቡ ኣለው ናብ ዝበሎ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ዝኣተወ ረድኤት ኣዚዩ ትሑት እዩ።ተጋሩ ብኣስገዳድ ጥምየት ይሃድሙ ኣለው።ገሊኦም ተስፋ ብምቑራፅ ስድርኦም እናራሕርሑ እዮም ይስደዱ ዘለው።

ሶቖጣ ብሰንኪ ኵናትን ጥምየትን ካብ ትግራይ ዝሃደሙ ኣሽሓት ሰባት ዝነብሩላ እያ።ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኖቕጣታት ንትርፊ ዘይሰርሑ ሓገዝቲ ብኣማእቲ ይእከቡ።ሓል ሓሊፉ ንዕኦም ዝወሃብ ምግቢ ኣሎ፤ዝበዝሕ ግዜ ግን ምግቢ የለን።

10 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ትርከብ ትግራይ ንሓደ ዓመት ብኣስገዳድ ኩነታት ወይ ብ de fact ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ ዕፅዋ ትርከብ።መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ረድኤት ከይሓልፍ ብምኽልካል ነን ሕድሕዶም ይካሰሱ።

ብመሰረት ትካላት ረድኤትን ሰበስልጣን ጥዕና ክልልን 700,000 ሰባት ኣብ ዓፀቦ ዝመስል ኩነታት ይነብሩ ኣለው።ድሮኳስ እንተወሓደ 1,900 ቆልዑት ብጥምየት ምሟቶም እዞም ትካላት ረድኤትን ሰበስልጣን ጥዕና ክልልን ገሊፆም ኣለው።

ሽዱሽተ ቆልዑ ዘለዎ ካሳሁን ባየ ኣብ ቀረባ ትግራይ ንዝርከቡ ስድርኡ ራሒሪሑ ሶቖጣ ኣትዩ ኣሎ።

‘’ብዓልቲ ገዛይ ወሊዳ ኣብኡ ተሪፋ፤ክትመፅእ ኣይካለትን።ኣብኡ ንበልዖ የብልናን። ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም’’ ይብል።

ፌደራል መንግስቲ ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ከይኣትው ስለዝኸልከለን ኣብ ቴሌኮምኒኬሽን እውን ዕፅዋ ስለ ዘንበረን ምሉእ ሳዕቤን ናይቲ ዕፅዋ ምፍላጥ ኣይክኣልን።

ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ብሄር መሰረት ዝገበረ ህውከትን መቕተልትን ይፍፀም ኣሎ ክብሉ ናይ መጠንቀቓታ ደወል ከስምዑ ፀኒሖም እዮም።

ሰባት ካብ ትግራይ ንክወፁ ሰብኣዊ መሕለፊ ኮሪደር ብምፍጣር እቲ ፀገም ንምፉካስ ክሕግዝ እዩ ይብሉ ትካላት ረድኤት።ዋሽንግተን ኣብ ዝመደብሩ ንትርፊ ዘይሰርሕ ዓለምለኸ ስደተኛ Refugee International ላዕለወይቲ ክኢላ ሳራ ደርዶርፍ ሚለር ንምውፃእ ዝፍትኑ ስቪላት ዝወፅሉ መንገዲ ክህሊ ኣለዎ።ኣብ ዓለምለኸ ሕጊ እዚ መሰረታዊ መትከል እዩ።ኣዚዩ መሰረታዊ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ እዩ ትብል።

ኣብ ሰቖጣ ሰራሕተኛ ረድኤት ዝናሽ ወርቁ ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን ተመዛቢሎም ይምፅኡ ሰብ ብሰብነቱ ክረኽቦ ዝግባእ ሓገዝ ክረክብ ኣለዎ ትብል።ናይ ሰብነት መግለፂ እዚ እዩ ዝበለት ንሳ ‘'ክንፍጠር ከለና እዚ እዩ ናይ ህይወትና ዕላማ። ስለዚ ዝተውሰኑ ሰበስልጣን ወይ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ብዘይምስምምዖም ህይወት ሰብ ክጠፍእ የብሉን።ብፍላይ ድማ ብስኣን ምግቢ’ ትብል።

ብዘይ ማይን ምግብን ኣርባዕተ ቀትርን ለይትን ተጓዒዙ ሰቖጣ ምብፅሑ ዝዛረብ ቀነው ኣስፋው ‘’ዋላ እንተሞትኩ ኢለ ዋላ እውን ኣብ መንገዲ እናተጉዓዝኩ እንተሞትኩ ኢለ እናፈልጥኩ እየ መፂአ’’ ይብል።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም መብዛሕቲኦም ሰባት ኣብ ትግራይ ኣናሃለው ዓበይትን ቆልዑን ብጥምየት ክሞቱ ከለው ምርኣይ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG