ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይረክተር USAID ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ሴነት ኣሜሪካ ዝሃበኦ ምስክርነት


USAID
USAID

ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር፣ ‘ኣብ ኢትዮጵያ እኽሊ ዝመልኡ ማኻዚኖታት ብበዝሒ እናሃለው፣ ናብ ዝጠመዩ ሰባት እኽሊ ንከይበጽሕ መገዲ ዝዓጽው ዘለው ሓይልታት’ታ ሃገር እዮም’ ኢለን።

‘ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ምስ ሚኒስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ዝተገንዘበኦ ሓደ ሓቂ ከምዘሎ ንኮሚቴ ሴነት ኣሜሪካ ዝጠቀሳ ሳማንታ ፓወር ‘ምስ ሚኒስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸብኩሉ እዋን ከምዝገለጸለይ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ’ቲ ዛጊድ ንፈልጦ ቅልውላው ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ካልእ፣ ናይ ሓረስቶት ተቃውሞን ስምዕታን ይቃላሕ ከምዘሎ ሓቢሩለይ’ ኢለን።

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነተ ክዙን እኽሊ ኣመልኪተን ክዛረባ ከለዋ ድማ፤ ‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ እኽሊ ዝመልኡ መኻዚኖታት ብበዝሒ እናሃለው፣ ብጥምየትን ጉድለት ምግብናን ናብ ዝሳቀዩ ዘለው ሰባት፣ እኽሊ ንከይበጽሖም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው፣ ሓይልታት መንግስቲ ኮይኖም ኢና ንረኽቦም" በላ።

XS
SM
MD
LG