ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤይጂንግ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምግታእ መስመራት መጉዓዝያ ትዓጽው


ሓደ ካብ ጎደናታት በይጂንግ
ሓደ ካብ ጎደናታት በይጂንግ

ሰበ-ስልጣን ቤይጂንግ ከም ኣካል’ቲ ንዝርጋሐ ኮቪድ19 ንምግታእ ዝግበር ፃዕርታት ንሓያለ መደበራት መጉዓዝያ ባቡር’ታ ከተማ ዓፅዮም።

ዋና ከተማ ቻይና ዝኾነት ቤይጂንግ 10% ኣካል ስርዓተ መጉዓዝያ'ታ ከተማ ንዝኾነ 40 መደበራት መስመር ባቡራትን ብኣማኢት ዝቑጸር መስመራት ኣውቶብሳትን ከምዝዓፀወት ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጣ’ላ።

ሰበ-ስልጣን ንዳርጋ እቲ 21 ሚልዮን ዝኾነ ነባሪ ብጅምላ ወፍሪ መርመራ ኮቪድ19 ጀሚሮም’ለዉ። ኣብያተ ትምህርቲ:ኣብያተ ንግድን ከምኡ’ዉን ከም ኣብያተ ስፖርትን ኣብያተ ትያትርን’ዉን ተዓፅቶም’ለዉ።

ዝለዓለ ሓደጋ ዝርጋሐ’ቲ ቫይረስ አለዎ ዝበሃል ከባቢታትን ህንፃታትን ተዓፅዮም ፅርግያታት ጸምዩ ይርአ። ነበርቲ ኣብ ኣባይቶም ክሰርሑ’ውን ተሓቲቶም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG