ዋሽንግተን —
ሰበ-ስልጣን ቤይጂንግ ከም ኣካል’ቲ ንዝርጋሐ ኮቪድ19 ንምግታእ ዝግበር ፃዕርታት ንሓያለ መደበራት መጉዓዝያ ባቡር’ታ ከተማ ዓፅዮም።
ዋና ከተማ ቻይና ዝኾነት ቤይጂንግ 10% ኣካል ስርዓተ መጉዓዝያ'ታ ከተማ ንዝኾነ 40 መደበራት መስመር ባቡራትን ብኣማኢት ዝቑጸር መስመራት ኣውቶብሳትን ከምዝዓፀወት ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጣ’ላ።
ሰበ-ስልጣን ንዳርጋ እቲ 21 ሚልዮን ዝኾነ ነባሪ ብጅምላ ወፍሪ መርመራ ኮቪድ19 ጀሚሮም’ለዉ። ኣብያተ ትምህርቲ:ኣብያተ ንግድን ከምኡ’ዉን ከም ኣብያተ ስፖርትን ኣብያተ ትያትርን’ዉን ተዓፅቶም’ለዉ።
ዝለዓለ ሓደጋ ዝርጋሐ’ቲ ቫይረስ አለዎ ዝበሃል ከባቢታትን ህንፃታትን ተዓፅዮም ፅርግያታት ጸምዩ ይርአ። ነበርቲ ኣብ ኣባይቶም ክሰርሑ’ውን ተሓቲቶም’ለዉ።
ርእይቶታት ንምርኣይ
ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መእተዊ መዝገብ ኣሎዶ ? መእተዊ መዝገብ
ምዝጉብ ተጠቃሚ ኣይኮንኩምን ? ተመዝገብ/ቢ
ተወሳኺ ርእይቶ ንምጽዓን